EPISODE · Dec 1, 2025 · 48 MIN
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ታሕሳስ 2025)
from SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ን ሎሚ ሰኑይ 1 ታሕሳስ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብዚ እዋን ከም ብ ኣማዞን ዝበሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ዝመሃደሩ ንጥፈታት ምብጽጻሕ ኣቑሑ (ደሊቨሪ)፡ ዝኣመሰሉ ኣብ ህዝብና ንነዊሕ ዘመናት ዝስርሓሎም ዝነበሩ ንጥፈታት ኣለዉ። ገዛ ገዛ እናኸዱ ሸቐጣት ዝሸጡ፡ ናይ ምልውዋጥ መስርሕ (ቬላሮባ)፡ እዚ ንነገራት ዳግም ንምምስራሕ ዝተባባዕ ዘሎ ኣብ ህዝብና ልሙዳት ዝኾኑን ምስ ኣከባቢ ዝሳነዩ ተግባራት ነይሮም። ነዞም ብህዝብና ዝካየዱ ዝነበሩ ባህላውያን ንጥፈታት ቁጠባን ኣከባብን ምስ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ ዳህሲስናኣዮም ኣለና። እዞም መሃዝነት ዘለዎም፡ ምስ ኣከባቢ ዘሳንዩ ንጥፈታት ቀጺልናዮምን ሒዝናዮም እንተንጓዓዝ መሰረት ምዕባለን ጥዕናን ምዃኖም'ውን ኣብዚ ዕላል ተገሊጹ ኣሎ። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣትዩ ምስ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ካልኦት ሰበስልጣንን ዘትዩ። ጀነራል ታደሰ ወረደ "ዝተወደበ" ዝበሎ ሓይሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምውዳቕ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። መንግስቲ ፌደራል ምፍርራሕን ቁጠባዊ ገደብን ይገብር ዝብል ነቐፌታ ውን ኣቕሪቡ። ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንሓደ ወገን ኣድልዎ ይገብር ኣሎ ንዝበሉዎ ቦርድ መረፃ ነቒፎም። ን135 ዜግነት ኖርወይ ዝተዋህቦም ኤርትራውያ ክትምርምር ዝጸንሐት ዜግነት ኣሕዲጋ። ካብቶም ዝተሓድጉ እቲ ሓደ ኣቦወንበር መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ምዃኑ ተገሊጹ ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰልፊ ጥምረት ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ናይ ኢሚግሬሽን ፖሊሲኡ ከፍልጥ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ፡ ንግዝያዊ ቪዛ ንዝሓዙ ሰባት ናይ ክብርታት መርመራ ክግበረሎም ዝብል መደብ ከምዝድግፎ መራሒ ሰልፊ ናሽናልስ ዴቪድ ሊትልፕራውድ ገሊጹ ። ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ፡ ናይ ክልተ መንግስቲ ፍታሕ እቲ እንኮ መፍትሒ ምዃኑ ገሊጾም ። ** ኣብ ጸወታታት ፕሪሜር ሊግ፡ ጋንታ ኣርሰናልን ቸልሲን ገጢመን ሓደ ብሓደ ሸቶ ብማዕረ ተፈላልየን።
What this episode covers

NOW PLAYING
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ታሕሳስ 2025)
No transcript for this episode yet
Similar Episodes
No similar episodes found.
Similar Podcasts
No similar podcasts found.