Skip to content
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast artwork

PODCAST · news

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

by SBS

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Publisher-supplied feed metadata · PodParley refreshed Oct 9, 2026 · Source feed

Episodes

  1. ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026)

    ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራልያ ምስ ካልኦት ጉጅለ መራሕቲ ዓለም ብምዃን ነቲ ፕረዚደንት ፍልስጤም ሓፈሻዊ ምርጫ ንምንዋሕ ዝወሰዶ ውሳነ ኮኒናቶ። ** ምልሻታት ሑቲ የመን ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ ሓደ ብስዑዲ ዓረብ ዝውነን ኩባንያ ነዳዲ ባርዕ ዘስዓበ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ። ** ኣሰልጣኒ ካንጋሩስ ኬቪን ዋልተርስ ጋንትኡ ኣቐዲማ ክትዕወት ምዃና ገሊጹ። #sbsaudiopodcast

  2. ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026)

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026) #sbsaudiopodcast

  3. “ሰራዊት ኣብይ ንዓሰብ ክሕዝ ከምዘይክእል ሚእቲ ካብ ሚእቲ ርግጸኛ’የ።” ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

    ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ሓድሕድ ኲናት ናብ ዶብ ኤርትራ ተጸጊዑ ይርከብ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋንነት ባሕሪ ብምልዓል ንወደብ ዓሰብ ናይ ምቁጽጻር ክኒኡ ሓሊፉ'ውን ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ዘረባታት ካብ መራሒኣ ኣትሒዝካ ብወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ ብጻዕቂ ይዝረበሉ ኣሎ። ብሓይሊ ወይ ብዲፕሎማሲ ወደብ ዓሰብ ከነምልስ ኣብዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወጥሪ ገዲዱ ኣሎ። እዚ ዘሎ ወጥሪ ናበይ ገጹ'ዩ ከምርሕ፧ ኤርትራ ንዝመጻ…

    more
  4. ሰራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ እትርከብ ከተማ ዛላንበሳ ተጸጊዖም። (ጸብጻብ)

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ ሰራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ እትርከብ ከተማ ዛላንበሳ ከም ዝተፀገዐ ነበርቲ ኣረጋጊጾም። ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ንዝገሹ ዜጋታተን ሓድሽ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ዘውጽኣ ሃገራት ሸሞንተ በጺሑ። ብሰንኪ ኲናት ተደናጒዩ ዝጸንሐ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ናይ ዘመነ ትምህርቲ 2019 ዓ.ም ግእዝ ምምሃር ምስትምሃር ምጅማሩ ኣፍሊጡ። ሱዳን ኢትዮጵያ ንRSF ምድጋፍ እንተድኣ ኣቋሪጻ ዝርርብ...

  5. መስርሕ ፍርዲ ናይታ ኣብ ጀርመን ኣካላታ ተቖራሪጹ ዝተረኽበ ኤርትራዊት ስደተኛ ጀሚሩ። ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (14 ጥቅምቲ 2026)

    *** ነቲ ናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ ገዛ ኽራይ ገደብ ክግበረሉ ዝጽውዕ ድምጺ እናበዝሐ መጺኡ።... *** መስርሕ ፍርዲ ናይታ ኣብ ጀርመን ኣካላታ ተቖራሪጹ ዝተረኽበ ኤርትራዊት ስደተኛ ጀሚሩ። *** ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ድሕሪ ዘጋጠመ ቀታሊ መጥቃዕቲ ሑቲ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዋንጫ ኤስያ ስክፍታታት ጸጥታ ኣለዓዒሉ። #sbsaudiopodcast

  6. ለውጢ ኣብ ቪዛታት ናይ ኣውስትራሊያ

    ልዕሊ 150 ሽሕ ዝቐረቡ ናይ ወለዲ ቪዛ መመልከቲታት ዉሳነ ኣብ ዝጽበይሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሕግታት ናይ በጻሕቲ ቪዛ ዝተገብረ ለውጢ፡ ምስ ኣረጋውያን ወለዲ ዳግማይ ምርኻብ ዝያዳ ከቢድ ክገብሮ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ንገሊኦም፡ ልዑል ወጻኢታትን ዝነውሐ ናይ ምጽባይ ግዜን፡ ኣብ መንጎ ምቕጻል ህይወት ኣብ ኣውስትራልያ ወይ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ምምራጽ ማለት እዩ። #sbsaudiopodcast

  7. ስዑዲ ዓረብ ኣብ መዓርፎ ነፈርታ ሑቲ ንዝፈጸሞ ማዕበል መጥቃዕቲ ድሮናት ሕነ ከምትፈዲ ኣፍሊጣ። (ሓጸርቲ ዜናታት SBS 13 ጥቅምቲ 2026)

    ** ጾታዊ ምዕሩይነት ዒላማ ዝገበረ ልዕሊ 460,000 ሰራሕተኛታት ደሞዞም ክውስኽ’ዩ... ** ስዑዲ ዓረብ ኣብ መዓርፎ ነፈርታ ሑቲ ንዝፈጸሞ ማዕበል መጥቃዕቲ ድሮናት ሕነ ከምትፈዲ ኣፍሊጣ... ** ሶማል፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘሎ ወጥሪ "ዘይሻራዊ" መርገጺ ከምትሕዝ ኣፍሊጣ። #sbsaudiopodcast

  8. How laws are made, and how they affect you | How Australia Works - ሕግታት ከመይ ይወጹ፡ ንዓኹም ከ ከመይ ይጸልውኹም፧| How Australia Works

    How are laws made in Australia? Through Wurundjeri Elder Uncle Dave Wandin’s story of the Birrarung, also known as the Yarra River, learn how an idea becomes a bill, passes through Victoria’s parliament and receives royal assent, the formal approval that makes it law. - ኣብ ኣውስትራልያ ሕግታት ከመይ ይወጹ፧...

  9. ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (12 ጥቅምቲ 2026)

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (10 ጥቅምቲ 2026) #sbsaudiopodcast

  10. ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (12 ጥቅምቲ 2026)

    ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ጥምረት ካብ ገለ እማመታት ፖሊሲ ፓውሊን ሃንሰን ከም ዝረሓቐ እንተገለጸ’ኳ፡ ኣጀንዳ ኢሚግሬሽን ዋን ኔሽን ንዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣውስትራልያ ይጸልዎም ኣሎ ዝብል ስክፍታታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። መራሕቲ ናይቲ ብ ኮክሮች ጃንታ ፓርቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ምንቅስቓስ መንእሰያት ህንዲ፡ ፡ ኣንጻር ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምርጫ እታ ሃገር ተቓውሞኦም ክቕጽሉ ቃል ኣትዮም። ኣብ ኣብ ዉድድር ደቂ ተባዕትዮ መልበርን ማራቶን ኤልዮድ ኪፕቾገ...

  11. ትራምፕ ንምንታይ’ዩ ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ማዕቀብ ዝገብረሉ ዘሎ፧ ንኣውስትራልያ’ኸ እዚ እንታይ ማለት’ዩ፧

    ማዕቀባት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ICC ንመሻርኽቲ ሃገራት ክኸፋፍለን’ንከሎ ንኣውስትራልያ ድማ ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳኣ ሚዛን ሒዙ ከምዝኸይድ ክትገብር ገይርዎ’ሎ። #sbsaudiopodcast

  12. "ተኣምራታዊ ጸረ መጥቃዕቲ ክንፍኑ ኢና።" መራሕቲ ህወሓት ካብ ዘይተገልጸ ከባቢ። (ጸብጻብ)

    ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ዘርጊሑ። ብተመሳሳሊ መገዲ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ብሰንኪ ኲናት ተቛሪጹ ዝጸንሐ በረራ ናብ መቐለ ተጀሚሩ። ሚንስተር ጌታቸው ረዳ ዝርከቡዎም ሰበስልጣን ፌደራል ኣብ መቐለን ዓዲግራትን ዑደት ኣካይዶም። ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፌዴራል ከም ትጸንሕ ተዛሪቡ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ብረት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጉድኣት…

    more
  13. ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (08 ጥቅምቲ 2026)

    ንሎሚ 08 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

  14. ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (08 ጥቅምቲ 2026)

    ** ብ ፌካ (FECCA) ዝፍለጥ ፈደረሽን ቤት ምኽሪ ማሕበረሰባት ኢትኒክ ኣውስትራልያ፡ ሰልፊ ጥምረት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዓብይ ምጒዳል ዝወጠኖ ቅድሚ ዉዱእ ምግባሩ ንማሕበረሰባት ስደተኛታት ክውከስ ተላብዩ። ** እስራኤል ንሳልሳይ ዓመት መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ብ7 ጥቅምቲ ዝኽሪ ጌራ። ** ሊዮነል ሜሲ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ ምስ ኣርጀንቲና ተጻዊቱ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ። #sbsaudiopodcast

  15. ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወተሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክትስሕብ ሓቲታ: ኤርትራ ብወገና ነዚ ክሲ ምላሽ ሂባ። (ጸብጻብ)

    ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወተሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክትስሕብ ሓቲታ። ኤርትራ ብወገና ወተሃደራታ ናብ ትግራይ ኣትዮም ንዝብል ክሲ ምላሽ ሂባ። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወተሃደራዊ ትካላት ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕትታት ክፍጸሙ ይኽእሉ 'ዮም ክብል ኣጠንቂቑ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ስክፍታኡ ገሊጹ። ብሪጣንያ ብወገና ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ህይወት ዘድሕን ሓገዝን...

  16. 'ዮርዳኖስ ተወልደመድህን፡ ብምኽንያት እምነታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይታ ኣላ።' ተጣባቒ እሱራት ሃኒባል ዳኒኤል

    ኣደ ሓደ ቆልዓ ዮርዳኖስ ተወልደመድህን ን2ዓመትን 10 ወርሕን ብምኽንያት እምነታ ተኣሲራ ድሕሪ ምጽናሕ ብ ዕለት 28 መስከረም 2026 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ከምዝዓረፈት ካብ ኣባላት ስድራ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ተፈሊጡ ኣሎ። ብዛዕባ ዮርዳኖስን ኩነታት እሱራት ብእምነትን ዝምልከት ተጣባቒ ሃኒባል ዳኒኤል መብርሂ ሂቡ ኣሎ። #sbsaudiopodcast

  17. ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (07 ጥቅምቲ 2026)

    ** ሰልፊ ጥምረት ወጢንዎ ዘሎ ምጉዳል ስደተኛታት ኣብ ሰራሕተኛታት ክንክን ኣረጋውያን ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ተኣሚኑ... ** ብምሕንያት ጸገም ኩነታት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ መላእ ፈረንሳ ናይ ተቕዉሞ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ ** ኖቫክ ጆኮቪች ንሻብዓይ ግዜኡ ዋንጫ ቻይና ኦፐን ተዓዊቱ፡ #sbsaudiopodcast

  18. ብድሆን ሜላን ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ወጻኢ ምስ ኪኢላ'ዚ ዓውዲ ዶክቶር ዮሃንስ ፍስሃ።

    ኣተሕሳስባ ቆልዑን ዓብይትን ብኸመይ ክሰማማዕ ይኽእል፧ ኣብ ውጻኢ ንዝዓዩ ቆልዑ፡ ኣተሓሕዛ ወለዲ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉን ካልእ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑን ብድሆታቱን ኣመልኪትና ምስ ዶክቶር ዮሃንስ ፍስሃ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት። #sbsaudiopodcast

  19. "ንጸላእትና ዘገድሶም ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከይትነግስ ጥራይ'ዩ።" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ሓጸርቲ ዜና SBS ትግርኛ 6 ጥቅምቲ 2026)

    ** ነቲ ለውጢ ክሊማ ኣብ ሃገራት ፓሲፊክ ዘሕደሮ ጽልዋ ስጉምቲ ክውሰድ መራሕቲ ሃይማኖት ጸዊዖም። ** ኦሎምፒክ 2032 ብተፈጥሮ፡ እንስሳ ዘገዳምን መንነትን ኲንስላንድ ዝተደገፈ ኣርማ ጸወታታት ብሪስበን ወግዓዊ ኮይኑ። ** ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ናይ መኽፈቲ ኣኼባ ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ክቕጽል መሪጹ። #sbsaudiopodcast

  20. Why power is split, and how that protects you | How Australia Works - ንምንታይ'ዩ ስልጣን ዝከፋፈል፡ ከምኡ ምዃኑ ኸ ንዓኹም ከመይ ይሕልወኩም፧ | How Australia Works

    After receiving a fine for not wearing his motorbike helmet correctly, Hugo decides to have the matter heard in court. His story explains how Parliament, government and the courts have different roles, and how some official decisions can be questioned. - ናይ ሞተር ብሽግለታ ቆብዑ (ሀልመት) ብግቡእ ዘይምግባሩ መቕጻዕቲ...

  21. ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (05 ጥቅምቲ 2026)

    ንሎሚ 05 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

  22. ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (05 ጥቅምቲ 2026)

    ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ የመን ዝካየድ ዉግእ ገዲዱ፡ ኣብ መሳለጥያታት ነዳዲ ሱዕዲ መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺ... ** ኣብ ተኣኪቦም ዝነበሩ ደገፍቲ ኒውካስል ናይትስ ብመኪና ረጊጹ 10 ሰባት ኣቑሲሉ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ወዲ 18 ዓመት መራሒ መኪና ዋሕስ ተኸልኪሉ።... ** ኣብ ግጥማት N-R-L ሲድኒ ሩስተርስ ናይዚ ዓመት ዋንጫ ዓቲራ፡... #sbsaudiopodcast

  23. ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልያን ናይ ሓባር ዉሳኔአን ኣፍሊጠን… ጸብጻብ

    መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ኣፍሊጡ። ህወሓት ብወገኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ደብረዘይትን ሓዊስካ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ድሮን ሓላፍነት ወሲዱ። ኢትዮጵያ ንምትእትታው ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከሲሳ ፤ ኤርትራ ብወገና ንሸውሃት መስኮት ባሕሪ ዝግበር ምስምስ ምዃኑ ገሊጻ። ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ዘተ ሰላም ክምለሳ ኣተሓሳሲባ። ኣብ ግብጺ ዝተጋብኡ መራሕቲ ሃገራት ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ሶማልያን ሱዳንን…

    more
  24. መስርሕ ምምኽኻር ክለሳ SBS ጀሚሩ

    ብዙሓት ድርብ ቋንቋታት ዝዛረቡን ስደተኛታትን ስድራቤታት ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ምትእስሳርን ናይ SBS መደባት ብቛንቋኦም ኣብ ሬድዮ ናይ ምስማዕ ዝኽርታትን ኣለዎም። እቶም መደባት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተቐይሮምን ሰፊሖምን እዮም፣ ሕጂ ድማ፣ SBS ነቲ በብእዋኑ ዝቕየር ማሕበረሰባትን ድሌታትን ዘመናዊት ኣውስትራልያ ንምንጽብራቕ ዳግመ ክለሳ ኣገልግሎት ቋንቋኡ ንምክያድ ይዳሎ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ካብ 5 ጥቅምቲ ክሳብ 13 ሕዳር ዝቕጽል ናይ ህዝቢ ምምኽኻር ግዜ ድማ...

  25. Seismic: The Manchester City scandal and what happens now? - ዘንቀጥቅጥ፡ ውርደት ማንቸስተር ሲቲን መጻኢ ኣንፈቱን፧

    Manchester City appeals a ruling over 115 alleged financial breaches as questions grow over a decade of success. - ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር’ቲ ልዕሊ 100 ፋይናንሳዊ ሕግታት ጥሒሳ’ይሉ ገበነኛ ኮይኑ ዝረኸባ ውሳነ ይግባይ ኢላ’ላ። እቲ ውሳነ ነዛ ጋንታ ኣብ ማእከል ናይ’ቲ ዝዓበየ ውርደት ኣብ ታሪኽ ስፖርት ክኸውን ዝኽእል ከቐምጣ’ንከሎ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዘመዝገበቶም ውጽኢታትን...

  26. ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (01 ጥቅምቲ 2026)

    ንሎሚ 01 ጥቅምቲ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

  27. መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ክትወድቕ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ፈሺሉ፡ (ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ 01 ጥቅምቲ)

    ኣርእስታት ዜና፥ ** ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር እስላም ዝተፈጸመ ምፍርራስ መቓብራት ይምርምር ኣሎ። ** መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ዝመርሕ ዝነበረ ፓይለት ብመሳርሕቱ ተወጊኡ ክትወድቕ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ፈሺሉ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሓደ መዕርፎ ነፋሪት ሱዕዲ ዓረብ ዓሊባ። ** ማንቸስተር ሲቲ ናይ 1.7 ቢልዮን ዶላር ፋይናንሳዊ ሕግታት ፕረምየርሊግ ብምጥሓሳ ገበነኛ ኮይና ድሕሪ ምኽሳሳን...

  28. ሓደ ሰሙን ዝሓለፎ ሓድሕዳዊ ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ ። (ጸብጻብ)

    ኣብ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ኣብ 3 መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 50 ሰለማውያን ሰባት ብደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ዝርከቦም ወገናት እቲ ሓድሕዳዊ ኲናት ጠጠው ክብል ልዝብ ክጅምር ጸዊዖም። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምብራር ከምዝተኸልከለ ተገሊጹ። ምምሕዳር ዓፋርን ክልተ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ጉጅለታት ዓፋር ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ክብሉ ከሲሶም።...

  29. "ኣብ ሆስፒታላት ኮረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ጉዳኣት ውግእ፡ ቍጽሮም ክሳብ 420 በጺሑ።" ሓካይም ብዘይ ዶብ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ

    ** ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝስጎጉ ስደተኛታት ክጅመር፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣፍቂዱ። ** ኣብ ሆስፒታላት ኮረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ጉዳኣት ውግእ፡ ቍጽሮም ካብ 180 ናብ 420 ክብ ከም ዝበለ 'ሓካይም ብዘይ ዶብ' (MSF) ኣፍሊጡ። ** መራሒት ሰልፊ ግሪንስ ኣውስትራሊያ ላሪሳ ዋተርስ ብስእነት ጥዕና ካብ ስልጣና ድህሪ ምውራድ እቲ ሰልፊ መራሒኡ ይመርጽ... #sbsaudiopodcast

  30. መጠን ወለድ ልቓሕ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ግዚኡ ወሲኹ፡

    ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራልያ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ግዚኡ ንዝቕባበ ንምግታእ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ መጠን ወለድ ወሲኹ። ወግዓዊ መጠን ገንዘብ ኣብ 15 ዓመታት ዝለዓለ ደረጃ 4.6 ሚእታዊት በጺሑ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነ ድማ ድሕሪ’ቲ ብሰሉስ ብ25 መሰረታዊ ነጥቢ ወሰኽ ምስ ኣርኣየ እዩ። ሰልፊ ጥምረት ምኽንያት ናይዚ ንወጻኢታት መንግስቲ ክወቅስ እንከሎ፡ ሰልፊ ሌበር ድማ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ ጠንቂ ምዃኑ የመልክት። #sbsaudiopodcast

  31. ኣባላት ጸጥታ ፈደራል ዝርከብዎም ወከልቲ ትካላት ካብ ትግራይ ከምዝወጻኡ ተፈሊጡ ... ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (29 መስከረም 2026)

    ** መንጐኛታት ቀጠር፡ ነቲ ኣብ ኢራን ዝግበር ዘሎ ኲናት ንምቁራጽ ሓድሽ ድፍኢት ንምግባር፡ ምስ ሰብ መዚ ኢራንን ኣመሪካን ይዛተዩ ኣለዉ... ** ሪዘርቭ ባንክ መጠን ወለድ ናብ 4 ነጥቢ-6 ሚእታዊት ክውስኽ ምዃኑ ክገልጽ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ወነንቲ ናይ ልቓሕ/ ሞርጌጅ ኣባይቲ ኣብ ቅድሚኦም ከቢድ ግዜ ከምዘሎ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።... ** ኣባላት ጸጥታ ፈደራል ዝርከብዎም ዓለምለኻዊ ወከልቲ ካብ ትግራይ ከምዝወጻኡ ተፈሊጡ ... #sbsaudiopodcast

  32. Who really runs Australia, and where you fit in | How Australia Works - ኣውስትራልያ መን’ዩ ብሓቂ ዘካይዳን ዝመርሓን፣ ቦታኹም ከ ኣበይ’ዩ፧ | How Australia Works

    Do you know who can help you with a business permit, a rental problem or family support? Through the stories of Fedele, Carol and Abeer, learn how Australia’s three levels of government work. Find out what local, state or territory, and federal governments are responsible for and where to turn…

    more
  33. You are already inside the system | How Australia Works - እዛ ሃገር ኣብ ትጥቀመሉ ኣስራርሓ ሕጊ እትዋት ኢኹም | How Australia Works

    How do Australia’s governments, laws and public services affect your everyday life? Through real stories, this introduction to the series shows you where to start when you need information and support, and how to question a decision. - መንግስታት፡ ሕግታትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ኣውስትራልያ ንዕለታዊ ህይወትኩም ብኸመይ ይጸልዉዎ?...

  34. ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (28 መስከረም 2026)

    ንሎሚ 28 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

  35. ጃፓን፥ ኣብዚ ዓመት 100 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም 100 ሽሕ ሰባት ዘለዉዋ ሃገር ብምዃን ክብረወሰን ሰይራ።

    ጃፓን፥ ኣብ ዓለም ፈላሚት ኣብዚ ዓመት 100 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም 100 ሽሕ ሰባት ብምህልዋ ንዝጸንሐ ክብረወሰን ሓሊፋቶ። ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ዕዮን ድሕነትን እታ ሃገር፡ ቁጽሪ ደቂ ሚእቲ ዓመት ጃፓን ንመበል 56 ተኸታታሊ ዓመት ወሲኹ ናብ 107,677 በጺሑ- ካብዚኦም 88 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን። ግን ብኸመይ? ብሓቂኸ ልዕሊ 100 ዓመት ክንበጽሕ ክንነብር ንደሊ ዲና? ... #sbsaudiopodcast

  36. ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (28 መስከረም 2026)

    ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ፌደራል እቲ ቫይረስ እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዙርያ ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ንቕሓት ህዝቢ ንምዕባይ ዝዓለመ ሃገራዊ ወፍሪ ጀሚሩ፣ ። ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ኣብ መላእ ዓለም ብድኽነት፣ ግጭትን ምዝንባልን ዝተሃስዩ ሰባት ንምሕጋዝ ናይ ልዕሊ 810 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ቃል ኣትያ። ሆላንዳዊት ተቐዳዳሚት ደሚ ቮለሪንግ ኣብ ሞንትርያል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጽርግያ ደቂ ኣንስትዮ ዋንጫ ዓለም ተዓዊታ።...

  37. ዓዀዄይ ዓዀዄይ ኲናት ውፃእ ሰላም እቶ . . .

    በዓል መስቀል፡ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን ኢይቶጵያን ኤርትራን፡ ነቲ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል፡ ን ኣማኢት ዓመታት ካብ ዝተቐበረሉ መሬት ዝወፀሉ ኩነት ንምዝካር ፡ ዳሜራ ኣንዲዶም፡ ዝዝክሩሉ በዓል እዩ። ኮይኑ ግና መስቀል መንፈሳዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ንባህሊ፡ ጥበብን ፍልስፍናን እዞም ማሕበረሰባት ዝፀሉ ትውፊት ኮይኑ ንረኽቦ። ሃይሉ ሳህለ ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ትግራይ ዝምልከት ዘቕረቦ..... #sbsaudiopodcast

  38. ክንደይ ዝኣክል ሓበሬታ ጥዕና'ዩ OpenAI ብዝውንኖ AI Agent ተሰሪቑ፧ ብዛዕባ'ቲ ምስርሳር (hack) ኩሉ'ቲ ሓቂ ተነጊሩና ድዩ፧

    ሓደ ኤጀንት OpenAI "ሓጹር ዘሊሉ" ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ/ፖርታል Medicare (ሜዲኬይር) ሰርሲሩ ኣትዩ። #sbsaudiopodcast

  39. ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። ውግእ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀጺሉ፤ (ጸብጻብ)

    ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደጋ መጠንቀቕታ ኣብ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ዘርጊሑ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣድማዒ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከም ዘካየደ ተሓቢሩ። ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። ውግእ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀጺሉ፤ ኣብ ትግራይ ድማ ስልክን ባንክን ተዓፅዩ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 'ከም ገበን ኲናት' ክምርመር ጸዊዑ። #sbsaudiopodcast

  40. ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (24 መስከረም 2026)

    ንሎሚ 24 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

  41. ንጥፈታት ፐን ኤርትራን ምሽላም ጸሓፊ እምነቱ ተስፋይን፡ ዝርርብ ምስ ኣቦ መንበር ዓወት ፍስሃየ

    ኤርትራዊ ጸሓፋይን ተመራማሪ ታሪኽ ህይወትን ዝዀነ እምነቱ ተስፋይ፡ ኣብ ምጽሓፍ ታሪኽ ህይወት (ባዮግራፊ)ን ስነ-ጽሑፋዊ ምርምርን ብምውፋር፡ ታሪኻዊ ዝኽሪ ኤርትራ ብምስናድን ብምዕቃብን ንዘበርከቶ ሰፊሕ ኣስተዋጽኦ ብምግንዛብ፡ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን (PEN) ኤርትራ 2026 ኰይኑ ከም ዝተሸለመ፡ ፐን ኤርትራ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ገሊጹ ነይሩ። ብዛዕባ ስልማትን ካልእ ንጥፈታት ናይ ፐን ኤርትራ ኣመልኪትና ምስ ኣቦ መምበር ናይቲ ትካል ኣቶ ዓወት...

  42. ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (24 መስከረም 2026)

    ኣርእስታት ዜና፥ ** ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ትማሊ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ውግእ ጀሚሮም፤ ** ሎሚ መዓልቲ [[24 መስከረም]] ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምርምር መንሽሮ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ተራ ተመራመርቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ምፍዋስን ምክልኻልን መንሽሮ ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ ንጥፈታት ዝካየደሉ እዩ። ** ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ (ሶከሩስ) መሓመድ ቱረ ብሰንኪ ዝገብሮ ናይ ብርኪ መጥባሕቲ ፡ ንኣዋርሕ ካብ ጸወታ ተገሊሉ ክጸንሕ ምዃኑ...

  43. ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ዝተወለዐ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)

    ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ዝተወለዐ ግጭት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐ ተገሊጹ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካን ካልኦት ዓለምለኻውያን ተዋሳእትን ድማ ብዛዕባ ዚ ደግሲ ኲናት መግለጺ ሂቦም ኣለዉ። #sbsaudiopodcast

  44. ቴህራን በቲ ትራምፕ ዝደልዮ መገዲ ኣብ ስምምዕ ሰላም ክትበጽሕ እንተዘይኪኢላ፡ ንኢራን "ከጥፍኣ" ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    መራሕቲ ዓለም ንሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ተኣኪቦም ኣብ ዘለዉሉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክሬንን ዝካየድ ውግኣት ነቲ ዓመታዊ ኣኼባ ዓብሊሉዎ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዶናልድ ትራምፕ ዘስምዖ ኣሰንባዲ መደረ፡ ሃገራት ብዛዕባ ፖሊሲ ክሊማን ጃምላዊ ስደትን ክኹንና እንተኾይኑ "ናብ ሲኦል ይኸዳ ኣለዋ" ብምባል ዕግርግር ፈጢሩ ነይሩ። ኣብዚ ዓመት’ውን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘቕረቦ መደረ ፡ ቴህራን ምስኡ ኣብ ስምምዕ…

    more
  45. ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሲሪላንካ ኣብ 2019 ኣብ ሰንበት ፋሲካ ብዝተፈጸመ ቦምባታት ብዝተሓሓዝ ን15 ሰባት ፈሪዱ። (ዜና SBS ትግርኛ 23 መስከረም 2026)

    *** ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሲሪላንካ ኣብ 2019 ኣብ ሰንበት ፋሲካ ብዝተፈጸመ ቦምባታት ብዝተሓሓዝ ን15 ሰባት ፈሪዱ። *** ኣመሪካ ምስ ዴንማርክን ሓድሽ ስምምዕ ጸጥታ ኣርክቲክ ብምፍራም፡ ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ኣብታ ግሪንላንድን ኣስፊሐን ። *** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ መራሕቲ ዓለም ኣብ ምክልኻል ሓደጋታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብሓባር ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ፡ #sbsaudiopodcast

  46. Breast screening: What to expect and why it matters - መርመራ ጡብ፡ እንታይ ትጽበዪን ኣገዳሲነት እቲ መርመራ ምፍላጥን።

    Regular breast screening can help find breast cancer early, before you notice any signs or symptoms. Screening is free for eligible women or people at risk of breast cancer. It takes about 20 minutes, once every two years, and it’s an effective way to take charge of our health. Let’s take a…

    more
  47. ኪዳን ዉዱባት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ: ተሌቪዥን ትግራይ ተኣጊዱ። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (22 መስከረም)

    *** ኣውስትራሊያ ትርከበን 22 ሃገራት ዓለማዊ ካብ ኤይ ኣይ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ሓለዋ ክግበር ተሰማሚዐን። *** ኣብ የመን ብዘሎ ዕግርግር ኣስታት 130 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም። *** ኪዳን ዉዱባት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀጺሉ። ተሌቪዥን ትግራይ ብሰብ መዚ ኢትዮጵያ ተኣጊዱ። #sbsaudiopodcast

  48. ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (21 መስከረም 2027)

    ንሎሚ 21 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ። #sbsaudiopodcast

  49. ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ ወርቅን ነሓስን መዳልያታት ተዓዊታ። ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (21 መስከረም 2026)

    ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ ኣውስትራልያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት መንበር ንምርካብ ተካይዶ ጻዕሪ ብወግዒ ኣበጊሱ ። ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ ኣብ ክልተ ግዝኣታት ምርጫታት ዓቃባዊ ሰልፉ ዓቢ ስዕረት እንተጋጠሞ’ኳ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ 2026 ወርቅን ነሓስን መዳልያታት ተዓዊታ። #sbsaudiopodcast

  50. Migration overhaul: Labor tightens visa rules for students, tourists and backpackers - መንግስቲ ኣውስትራልያ ሕጊታት ማይግረሽን ኣትሪርዎም፣ ናይ ደገ ተመሃሮ፣ በጻሕትን ስራሕ ዘፍቅድ ናይ ዕረፍቲ ቪዛ ዘለዎምን ክትንከፉ'ዮም

    The government has unveiled its plan to reduce net overseas migration to 225,000 by 2028 in line with forecasts from the May budget. Many of the most significant changes relate to international students, working holiday makers and visitor visas. The government has also flagged stronger…

    more

Type above to search every episode's transcript for a word or phrase. Matches are scoped to this podcast.

Searching…

We're indexing this podcast's transcripts for the first time — this can take a minute or two. We'll show results as soon as they're ready.

No matches for "" in this podcast's transcripts.

Showing of matches

No topics indexed yet for this podcast.

Loading reviews...

ABOUT THIS SHOW

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

HOSTED BY

SBS

Produced by SBS Audio

CATEGORIES

Frequently Asked Questions

How many episodes does SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ have?

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ currently has 1000 episodes available on PodParley. New episodes are automatically indexed when they're published to the podcast feed.

What is SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ about?

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

How often does SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ release new episodes?

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ releases new episodes frequently with a large back catalog of 1000 episodes. Check the episode list for recent publication dates.

Where can I listen to SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ?

You can listen to SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ on PodParley by clicking any episode. We provide an embedded audio player for direct listening, and you can also subscribe via your preferred podcast app using the RSS feed.

Who hosts SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ?

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ is created and hosted by SBS.
URL copied to clipboard!