EPISODE · Mar 3, 2025 · 50 MIN
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መጋቢት 2025)
from SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ን ሎሚ 03 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዝኽሪ ኲናት ዓድዋ ኣብቲ ታሪኻዊ ቦታ ፕረሲደንት ትግራይ ኣብ ዘይብሉ፣ ወከልቲ ፌደራልን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተዘኪሩ ውዒሉ። "ሎሚ እውን ፀላእትና ካብ ዝተሰሓሓተ ስልሒት ኣይወጹን" ክብል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቡ። ብኻልእ ወገን ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ "ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓይሊ ምድሪን ሓይሊ ሳይበርን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ንዝመፅእ ፀላኢ ዘይኽበስ ኮይኑ ተሃኒፁ ኢዩ" ኢሉ። ኣብ መበገሲኡ ዓፋር ዝገበረ 5.2 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዓዲግራት ፡ ዓድዋን መቐለን ውን ተሰሚዑ። ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ኣብ ኣስመራ ዑደት ኣካይዱ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ እንግሊዝ ዓቕሚ ምክልኻል ዩክረይን ንምድጋፍ ናይ 4.57 ቢልዮን ዶላር (2.26 ቢልዮን ፓውንድ) ናይ ልቓሕ ስምምዕ ምስ መንግስቲ ዩኪሬን ከቲሙ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ’ውን ኣውስትራሊያ ደገፋ ንዩክረይን ክትቅጽል ምዃና ኣፍሊጡ ። 800,000 ወለንተኛታት ትማሊ [2 መጋቢት] ጎሓፍ ንምእራይ ናብ ገማግም ባሕሪ: መናፈሻታት: ጐደናታትን ማያትን ኣውስትራልያ ተዋፊሮም ውዒሎም ። ኣብ ስፖርት ፡ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤስያ ኣውስትራልያ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ዋንጫ ኤስያ ምዕታራ ሓጎሱ ገሊጹ ።
What this episode covers

NOW PLAYING
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መጋቢት 2025)
No transcript for this episode yet
Similar Episodes
No similar episodes found.
Similar Podcasts
No similar podcasts found.