EPISODE · Sep 4, 2025 · 49 MIN
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 መስከረም 2025)
from SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ንሎሚ ሓሙስ 04 መስከረም 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣንጻር ስደት ኣብ ዝግበር ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ገይሮም ነበሩ ። ስደተኛታት ግን ነዚ ኣብዚ ሃገር ዝርአ ክብሪ መነባብሮ፡ ቅልውላው ገዛን ካልእ ቁጠባዊ ጸገማትን ስደተኛታት ተሓተቲ ድዮም፧ ክኢላታት ነዚ ኣንጻር ስደተኛታት ዝግበር ተቓዉሞ ብኸመይ ይግምግምዎ፧ ነዚ ዝምልስ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ካይሮ ምስ መዘንኡ ኣምባሳደር ኤርትራ ከም ዝተመያየጠ ተገሊጹ። ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ንወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዕዉት መጥባሕቲ መዓናጡ ተኻይዱ። መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ናይ ፍርቂ ቢልዮን ብር እምነ ኩርናዕ ፕሮጀክት እምነ ሰረት ተቐሚጡ። ኣብ መኾኒ ብዝተፈጸመ ቅትለት ሓደ ሰብን መውቃዕትን ዝተጠርጠሩ ዛጊድ ድማ 16 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም፡ ካብዚኦም ሰለስተ ኣባላት ሰራዊት እዮም። ሰለስተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ካብ መዝነቶም ተኣልዮም። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ን ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ እስመለኣለም ምሕረቱ ሓዊስካ ንሰለስተ ሰበስልጣን ከም ዝኣለየ ተገሊጹ። እቲ ንህይወት ኸድሕን ዝኽእል መርመራ ማህጸን ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ቊጠባ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ክሳብ ሰነ ብ 1.8 ሚኢታዊት ዓብዩ ፡ ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ መዘናኡ ፕረሲደንት ቻይና ሺ ጂንግፒንግን ብሕክምናዊ መገዲ ክፋላት ኣካል ሰብ ብምስግጋር ካብ ሞት ምምላጥ ዝከኣለሉ ዛዕባ ብቐጥታ እናተዛረቡ ተሰሚዑ። ኣውስትራሊያዊ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣለክስ ዲ ሚኑር ኣብ ርብዒ ፍጻመ U-S Open ተሳዒሩ ኣብቲ ዉድድር ዝጸንሖ ጉዕዞ ኣኽቲሙ።
What this episode covers

NOW PLAYING
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 መስከረም 2025)
No transcript for this episode yet
Similar Episodes
No similar episodes found.
Similar Podcasts
No similar podcasts found.