ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ታሕሳስ 2025) episode artwork

EPISODE · Dec 8, 2025 · 49 MIN

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ታሕሳስ 2025)

from SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ን ሎሚ 08 ታሕሳስ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ብርሃን ጃብር እስማዒል ናይ 2025 ናይ ቪክቶሪያ ሕብረ-ባህላዊ ክብሪ (Victorian Multicultural Honour Roll) ተሸላሚ ኮይኑ ካብ ፕሪሜር ናይታ ግዝ ኣት ሽልማቱ ተቐቢሉ። ብርሃን ኣብ ወለንታዊ ስራሕ፡ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን እናተጓዕዘ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ብፍላይ ድማ ኣብ 3CR ናይ ኮሙኒቲ ራድዮ ጋዜጠኛ ኮይኑ ን 25 ዓመታት ብዝገበሮ ወለንታዊ ስራሕን ካልእን ንዝገበሮ ኣበርክቶ እዩ ተሸሊሙ። ነዚ ዝምልከት ምስ ኣቶ ብርሃን ጃብር ዝገበርናዮ ዕላል ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን “ሓድሽ ግጭታት ንምክልኻል” ትኹረት ክትገብር ምዃና ምምሕዳር ትራምፕ ኣነጺሩ። ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ዘተባብዕ ዝበሎ ሓድሽ ስትራተጂ ዘርጊሑ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማይ፣ ኢነርጂን ምግብ ዘድሃበ ዘተ ከም ዘካየደ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣብ ርብዒ ዓመት ንጎረባብቲ ሃገራት ብዘቕረበቶ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 46 ነጥቢ8 ሚሊየን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ። ኣብ 2025 ንንኣሽቱ ኣውስትራልያውያን ዘሻቐልዎም እንታይ ኔሮም፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ሓደ ትሕዝቶ’ውን ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀ/ሚ ኣንቶኒ ኣልባነስ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣውስትራልያ ካብ ረቡዕ ኣትሒዙ ክግበር ተወሲኑ ዘሎ ናይ ዕድመ እገዳ: ድሮ ዕዉት እዩ ክብል ገሊጹ። ኣብ ጋዛ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ካብዝተግበር ኣስታት ክልተ ወርሒ ጸኒሑ ፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ንዚቝጸሩ ፍልስጤማውያን መሰረታዊ ቀረባት ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ፡ ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ገሊጾም ። ኣትሌት ፍጹም ዜናስላሴ፡ ኣብ ዉድድራት ኣህጉራዊ ማራቶን ካሊፎርንያ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ዉድድሩ ዛዚሙ።

NOW PLAYING

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ታሕሳስ 2025)

0:00 49:24

No transcript for this episode yet

We transcribe on demand. Request one and we'll notify you when it's ready — usually under 10 minutes.

No similar episodes found.

No similar podcasts found.

Frequently Asked Questions

How long is this episode of SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ?

This episode is 49 minutes long.

When was this SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episode published?

This episode was published on December 8, 2025.

What is this episode about?

ን ሎሚ 08 ታሕሳስ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ብርሃን ጃብር እስማዒል ናይ 2025 ናይ ቪክቶሪያ ሕብረ-ባህላዊ ክብሪ (Victorian Multicultural Honour Roll) ተሸላሚ ኮይኑ ካብ ፕሪሜር ናይታ ግዝ ኣት ሽልማቱ ተቐቢሉ። ብርሃን ኣብ ወለንታዊ ስራሕ፡ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን እናተጓዕዘ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ...

Can I download this SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episode?

Yes, you can download this episode by clicking the download button on the episode player, or subscribe to the podcast in your preferred podcast app for automatic downloads.
URL copied to clipboard!