ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (02 ሚያዝያ 2026) episode artwork

EPISODE · Apr 2, 2026 · 53 MIN

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (02 ሚያዝያ 2026)

from SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ን ሎሚ ሓሙስ 2 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ናይ ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት መቐጸልታኡ ከነቕርብ ኢና። ፍሉይነት ብዙሕነት እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ኣውስትራሊያ: ብምንታይ ፍሉያት ከምዝኾኑን ዘንጸላልዎም ዘሎ ሓደጋ ምጽናትን። ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ፥ ኣብ ትግራይ ‘’ምችው ባይታ የለን’’ ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተኻየደ ንትግራይ ዝጥምት ዘተ ተቓውሞ ገጢምዎ። ኣብ ኤርትራ ኣባላት 38 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ጀሚሮም።ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ሓደ ካብ ኣካታዕቲ ዛዕባታት ኢዩ። ኢትዮጵያ ናብ ዕብየት ዘፈር መዓድን ኣብ እትገብሮ ዘላ ምስግጋር፡ ሰደድ ወርቂ ናብ 3.5 ቢልዮን ዶላር ወሰኹ ኣርእዩ። ንኢትዮጵያ ነዳዲ ንምቕራብ ውዕሊ ዝፈረማ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ነቲ ፍርያት ከቕርባ ከምዘይክእላ ተገሊጹ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ እዋን ቅልውላው ነዳዲ ህዱኣትን ንሓድሕዶም ዝተሓጋገዙን ክኾኑ ንምምሕጻን ሃገራዊ መግለጺ ኣቕሪቡ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ፡ ኣመሪካን ፕረዚደንትኣ ዶናልድ ትራምፕን ፡ ኢራን ነቲ ኲናት ደው ንምባልን ኣብ ዝግበር ዝዀነ ዝርርብ ንኽትኣቱ ቃና ቋንቋኦም ክቕይርዎ ከም ዘለዎም ተዛሪቡ ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ዒራቕ ድሕሪ 40 ዓመታት ካብ ፊፋ ምግላላ ኣብዝገበረኦ ግጥም ን ቦሊቪያ 2 ብ 1 ብምስዓራ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኢራቓውያን ሓጎሶም ገሊጾም።

NOW PLAYING

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (02 ሚያዝያ 2026)

0:00 53:11

No transcript for this episode yet

We transcribe on demand. Request one and we'll notify you when it's ready — usually under 10 minutes.

No similar episodes found.

No similar podcasts found.

Frequently Asked Questions

How long is this episode of SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ?

This episode is 53 minutes long.

When was this SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episode published?

This episode was published on April 2, 2026.

What is this episode about?

ን ሎሚ ሓሙስ 2 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡...

Can I download this SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episode?

Yes, you can download this episode by clicking the download button on the episode player, or subscribe to the podcast in your preferred podcast app for automatic downloads.
URL copied to clipboard!