PODCAST · arts
Emkulu's Podcast
by Emkulu
ብኣሕታሚ እምኵሉ ዝዳሉ ብሓፈሻ ኣብ ስነ-ጥበብ፡ ብፋልይ ድማ ኣብ ስነ-ጽሑፍ፡ ሕብረተ-ሰብን ባህሊን ዝተኵር ናይ ፖድካስት መደብ።
-
10
“ሰንዓፋ-ማይ ሓባር”፤ ጕዕዞኣ ካብ ክብሪ ናብ ሓሳር
“ሰንዓፋ-ማይ ሓባር”፤ ጕዕዞኣ ካብ ክብሪ ናብ ሓሳር ገምጋም ጽሑፍ ብበየነ ሰመረ
-
9
“ሰናይ ወዲ ዋርሳይ” - ቡፌ ዝትሕዝቶኣ መጽሓፍ ሓቀኛ ትረኻ
እዛ ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ስራሕ ንሕትመት ዝበቕዐት መጽሓፍ፡ ከመይ ዝበለት'ያ፧ ምስ ደራሲኣ ፍትዊ ርእሶምን ኣብ ምርትዓ ልዑል ተራ ዝተጻወተ ሴፉ ኣብርሃምን ዝተኻይደ ዘተ ብምስማዕ ተላለዩዋ። ነዛ መጽሓፍ ክትእዝዙዋ ምስ እትደልዩ፡ ነዛ እትስዕብ መላግቦ ጠውቑ፤ "ሰናይ ወዲ ዋርሳይ"
-
8
”ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት”- ስለ ፍቕሪ ሞት እትጽንብልን ስለ ስደት እትደጐዕን መጽሓፍ ቅኔት
"ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት" - ስለ ፍቕሪ ሞት እትጽንብል፡ስለ ስደት እትደጐዕ፡ስለ ስቓይ ጕዕዞ ሰሃራ ኣብ ኣእምሮ ነባቢ ዝሰኣሉ ሕብሪታት ዝቐረበት መጽሓፍ ቅኔት ምዃና፡ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤልን ፍቕረይ የማነን ኣብ ናይ ሎሚ ዘተና የብርሁ።
-
7
-
6
"ባህጊ"- ጽዋ ነጸብራቕ ኵዉንነትን መጻኢትን ኤርትራ
ጽዋ "ባህጊ"፡ ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ሳምንቲ፡ ብእንግሊዝኛ ተተርጒማ ብመገዲ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ኣሕታሚ Black Island ንንባብ በቒዓ ኣላ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ደራሲ'ዛ ጽዋ ተስፋጊዮርጊስ ሃብተ ከምኡ'ውን ሴፉ ኣብርሃምን፡ እታ መጽሓፍ ብኸመይ ክዉን ከም ዝዀነትን ንሓፈሻዊ ትሕዝቶኣን ዝምልከት ተዛትዮም ኣለዉ።
-
5
2ይ ክፋል ዘተ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግጥምታት ይርጋኣለም ፍስሃ
ዘተ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ'ቶም ብ2019 ኣብ ዝተሓትመት "ኣለኹ" እትብል መጽሓፍ ይርጋኣለም ፍስሃ ዝርከቡ ግጥምታት። ተዛተይቲ፡ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ዶ/ር ናዝሬት ኣምለሶም፡ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል፡ ከምኡ'ውን ቴድሮስ ኣብርሃም። A discussion on human rights in Yirgalem Fisseha's poems from her 2019 book of poetry collection "Aleku". Discussants Yirgalem Fisseha, Dr. Nazareth Amlesom, Fr. Yonas Wolderufael, and Tedros Abraham.
-
4
ዘተ ብዛዕባ ጕዳይ ደቀንስትዮ ኣብ ግጥምታት ይርጋኣለም ፍስሃ
ዘተ ብዛዕባ ጕዳይ ደቀንስትዮ ኣብ'ቶም ብ2019 ኣብ ዝተሓትመት "ኣለኹ" እትብል መጽሓፍ ይርጋኣለም ፍስሃ ዝርከቡ ግጥምታት። ተዛተይቲ፡ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ዶ/ር ናዝሬት ኣምለሶም፡ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል፡ ከምኡ'ውን ቴድሮስ ኣብርሃም። A discussion on women's issue in Yirgalem Fisseha's poems from her 2019 book of poetry collection "Aleku". Discussants Yirgalem Fisseha, Dr. Nazareth Amlesom, Fr. Yonas Wolderufael, and Tedros Abraham.
-
3
ዘተ ብዛዕባ ሓጻር ዛንታ "ጸሊም ግመ" ካብ "ንጉስ ገበን" ብደንደን ሰለሙን | A discussion on "Tselim Gime" a short story from "Nigus Geben" by Denden Solomon
ዘተ ብዛዕባ ሓጻር ዛንታ "ጸሊም ግመ" ካብ "ንጉስ ገበን" ብደንደን ሰለሙን። ተዛተይቲ፡ድረኣሲ ደንደን ሰለሙን፡ተስፊት ኣብርሃም፡ከምኡ'ውን ቴድሮስ ኣብርሃም። A discussion on Denden Solomon's short story "Tselim Gime" from his book, a collection of short stories, "Nigus Geben". Discussants Denden himself, Tesfie Abraham, and Tedros Abraham.
-
2
ዘተ ብዛዕባ ስነ-ጥበብ ምስ ኤርሚያስ ዑቕበ | Ermias Ekube discusses about inspiration, painting and sculpture
ንገለ ካብ ስራሓት ኤርሚያስ ክትዕዘቡ ምስ እትደልዩ ነዚኣ መላግቦ ብምጥዋቕ ናብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ብጽሑ። ኣብዚ ዝተገብረ ዘተ ንናይ ኤርሚያስ ቅብኣ ኣመልኪቱ ብሃይለ ቢዘን ዝተጻሕፈ ኣስተማቓሪ ጹሑፍ ተጠቒሱ ኣሎ። ክተንብቡዎ ምስ እትደልዩ ነዚኣ መልግቦ ጠውቑ።
-
1
ጽዋ ለበዳ ፌራን ካምዩን | The story of the plague and Camus
እዚ መደብ ንጽዋ ለበዳ ፌራን ደራሲ ኣልበርት ካምዩን ኣመልኪቱ ዝተዳለወ እዩ። እዚ ኣብዚ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ ኣብ መጽሔት እምኵሉ ኣቐድም ኣቢሉ ተሓቲሙ ኣሎ።
-
0
ዘተ ብዛዕባ ሰለስተ ሓጸርቲ ዛንታ ካብ "ካልእ ስለ ዘየሎ" ብኣብርሃም ተስፋልኡል ዘርአ | A discussion on three short stories from "Kalie Sile Zeyelo" by Abraham Tesfalul Zere
እዚ ዘተ ብቐንዱ ዘተኵረለን ስራሓት "ኣብ ዋዜማ ውግእ"፡ "ድሮ ተበገስ" ከምኡ'ውን "ድሕሪ ውግእ” ዝብላ ሓጸርቲ ዛንታት ኰይነን፡ ንርእሰ-ነገር ወይ ድማ ቴማ ኲናት ዝብል ክኸውን'ዩ። The discussion focuses on the theme war in three short stories titled: "Ab Waziema Wigie", "Diro Tebeges", and "Dihri Wigie".
-
-1
ዘተ ብዛዕባ ሓጻር ዛንታ "ፍቕሪ ሃገር" ካብ "ዝጠመመ መትሎ" ብሽሻይ ገብረሃንስ | A discussion on Shishay Gebrehans' short story "Fikri Hager"
ብኣሕታሚ እምኵሉ ዝዳሎ ፖድካስት ዘተ ብዛዕባ ሓጻር ዛንታ "ፍቕሪ ሃገር" ካብ "ዝጠመመ መትሎ" ብሽሻይ ገብረሃንስ!!
No matches for "" in this podcast's transcripts.
No topics indexed yet for this podcast.
Loading reviews...
Loading similar podcasts...