SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

PODCAST · news

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

  1. 1000

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (14 ግንቦት 2026)

    ን ሎሚ ሓሙስ 14 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥

  2. 999

    ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ክነግስን ተሓታትነት ክሰፍንን ጻዊዒት ቀሪቡ። (ጸብጻብ)

    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ዝነበሮ፡ ስትራተጅያዊ ስምምዕ ኣሐዲሱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዐቢይ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ናይ 54 ነጥቢ 6 ሚልዮን ዩሮ ልቓሕ ተሰማሚዖም። ኣብ ኤርትራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽልን ተሓታትነት ክሰፍንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጸዊዐን። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰላማዊያን ሰባት ምቕታሎም ተገሊጹ። ኣመሪካ ኣብ እዋን ውግእ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ሰደድ ኣጽዋር ኣልዒላ።

  3. 998

    Treasurer flags 'fairer' budget as business groups criticise tax reforms - ባጀት ኣውስትራልያ ወሪዱ - ተሓዝ ሕሳብ መንግስቲ 'ርትዓዊ'ዩ' ይብሎ፣ ማሕበራት ንግዲ ግን ይነቕፍኦ

    The Federal Budget has been handed down, including major tax changes that have been welcomed by unions, social services groups, and renters groups. Industry groups have raised concerns, saying the tax changes will be bad for business, as debate continues over how to balance fairness and fiscal restraint. - ብማሕበራት ስራሕተኛታት፣ ጉጅለታት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ጉጅለታት ተኻረይቲን ተቐባልነት ዝረኸቡ ዓበይቲ ለውጥታት ግብሪ ሓዊሱ ፌደራል ባጀት ተዋሂቡ። ማሕበራት ኢንዱስትሪ ግን እቲ ለውጢ ኣብ ግብሪ ንንግዲ ሕማቕ ክኸውን እዩ ኢሎም ስክፍታኦም ኣልዒሎም፡ ንርትዓውነትን ፊስካላዊ ተኣቅቦን ከመይ ገይካ ተመዛዝኖም ዝብሉ ክትዓት ድማ ይቕጽሉ።

  4. 997

    Tips to manage financial stress | Fuel in Focus - ቀረብን ክብርን ነዳዲ ኣትኩሮ ኣብ ዝሰሓቡሉ እዋን ንፋይናንሳዊ ጸቕጥታት ኣብ ምቁጽጻር ዝሕግዙ ምኽርታት

    Australia's petrol and diesel prices remain under pressure. The RBA’s decision to hike the cash rate this month is adding to the financial strain facing many households. We look at some free and independent support services that are available to help people manage financial stress. - ኲናት ዩናይትድ ስቴትስ-ኢራን ሳልሳይ ወርሑ ኣብ ዝኣተወሉ ኣውስትራልያዊ ዋጋታት ፔትሮል (በንዚን)ን ዲዘል (ናፍታ)ን ኣብ ትሕቲ ወጥሪ (ጸቕጢ) ይርከቡ። ንብዙሓት ኣውስትራልያውያን ስድራቤታት፣ እዚ ንውሳነ ምውሳኽ መጠን ጥረ ገንዘብ ማእከላይ ባንክ ኣብ’ዚ ወርሒ ተኸቲሉ ዝተፈጥረ ወጥሪ ዕጽፊ ከይዱ’ሎ። ኣብ መዐደሊ ነቑጣታት ሰባት ዝያዳ ይኸፍሉ’ለዉ፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ነቶም ዝውስኹ ሕሳባት ግሮሰሪ፣ ገዛ ኽራይ፣ ሞርጌጅን ካልኦት ኣድለይቲ ነገራትን የካውኑ’ለዉ። ኣብ’ዚ ኣትኩሮ ኣብ ነዳዲ ገይርና ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ መደብና ነጻ ዝኾኑን ብነጻ ዝወሃቡን ንሰባት ኣብ ፋይናንሳዊ ወጥሪ ዝሕግዝዎም ቀረብ ኣገልግሎታት ክንምልከት ኢና።

  5. 996

    "ብምዝራብ ሰናፍ ኣይኮንኩን፡ ግን ብምጽሓፍ’የ ዝያዳ ዝበልጽ።" ጸሓፊ መርሃዊ ወልደሚካኤል

    ነባሪ ኒውዚላንድ ዝኾነ መርሃዊ ወልደሚካኤል ኣብ ከም ፖሎቲካን ካልእን ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ዝነጥፍ ኮይኑ፡ ብእንግሊዝኛን ብትግርኛን ጽሒፉ ዘሕተሞም ብዙሓት መጻሕፍቲ’ውን ኣለዉዎ። ኣብዚ ዓመት “55፡ “God & Lucifer Bet on Africa Al-Kabulan” ትብል ዓባይ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣብ ዕዳጋ ትርከብ። ብዛዕባ መጻሕፍቱን ዝምልከት ምስ መርሃዊ ዝተገብረ ዕላል ።

  6. 995

    ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (12 ግንቦት 2026)

    ** ኢራን ካብ ኣመሪካ ንዝመጽእ ዝኾን ይኹን ዕንደራ ንምምካት ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ... ኣ** ትረዠረር ጂም ቻልመስ ሓሙሻይ ፈደራላዊ ባጀት ሎሚ ክገልጾ እዩ... ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተራኺቦም ብዛዕባ ክልተኣዊ ጉዳያት ተመያይጦም።

  7. 994

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (11 ግንቦት 2026)

    ን ሎሚ ሰኑይ 11 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥

  8. 993

    ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (11 ግንቦት 2026)

    ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ነቲ ብፓኪስታናውያን ኣሸማገልቲ ኣቢሉ ብ ኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ምላሽ ከም ዝሃበትሉ ድሕሪ ምግላጽ ፡ እቲ ውግእ ንሓዋሩ ደው ዝብለሉ ዘተኮረ ዘተ ክግበር ጸዊዓ ። ምስ ጉጅለ ኣይኤስ ርክብ ዘለወንን ብ ገበን ባርነት እተኸሰሳን ክልተ ኣንስቲ ፡ ሎሚ ዋሕስ ኪሓታ እየን ። ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ካብ 'ታ ብሃንታ ቫይረስ ኮሮና ዝተጸልወት መዛወሪት መርከብ ኤምቪ ሆንዴስ ኣብ ተኔሪፌ ከምዝተራገፉ ገሊጹ ።

  9. 992

    ኤርትራ፡ ሓዱሽ መስርሕ ድጂታዊ ሓበሬታ ጀሚራ። (ጸብጻብ)

    ኤርትራ፡ ሓዱሽ መስርሕ ድጂታዊ ሓበሬታ ጀሚራ። ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ’ ዞባ ማእከል፡ ብወግዒ ተኸፊቱ። ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ጥንታዊት ከተማ ኣኽሱም "ቅድስቲ ከተማ ኣኽሱም ጽዮን" ተባሂላ ክትስየም ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። ኣብ ትግራይ ስርዓተ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቅዓት ምላሽ ንምሃብ "ግልጋሎት ነፃ ስልኪ ዕላዊ ከምዝተገበረ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

  10. 991

    One Nation claims historic win in Farrer in poll seen as litmus test for Coalition - ንሰልፊ ጥምረት ከም መፈተኒ ኣብ ዝተራእየሉ ምርጫ ሰልፊ ዋን ኔሽን (One Nation) ኣብ ፋረር ተዓዊቱ

    Voters in the southern New South Wales seat of Farrer have headed to the polls to choose a new MP after their former representative Sussan Ley resigned from parliament. Analysts say the vote could have lasting consequences for the coalition. - ናይ ቀደም ወካሊቶም ዝነበረት ሱዛን ሊይ ካብ ባይቶ ድሕሪ ምስንባታ ኣድመጽቲ ደቡባዊ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ፣ ወንበር ፋረር፣ ሓድሽ ኣባል ባይቶ ንምምራጽ ናብ መድመጺ ነቑጣታት ኣምሪሖም። ተንተንቲ እዚ ምድማጽ ነባሪ ሳዕቤን ንሰልፊ ጥምረት ክህልዎ ይኽእል’ዩ ይብሉ።

  11. 990

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (7 ግንቦት 2026)

    ሰላም ከመይ ትኾኑ ዝኸበርኩም ሰማዕትና። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሓሙስ 7 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና። * ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ብጽኑዕ ኣጠንቂቓታ፣ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂባ፣ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕሬዝዳንት ትግራይ ኮይኑ ተመሪጹ፣ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ምላሽ ሂቡ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣብ ገለ ወረዳታት ሰፊሕ ግዱድ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ተሰሚዑ: እዚኦም ናይ ሎሚ ጸብጻባት ዜና’ዮም። * ኣብ ሓንቲ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እተበገሰት መዛወሪት መርከብ ብቐታሊ ተላባዒ ሃንታቫይረስ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተለኽፉ ተፈሊጡ። እዚ ሕማም ኣብ ሰባት ሳሕቲ ጥራይ ዝርአ ብምዃኑ ዓለምለኻዊ ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ። ሃንታቫይረስ እንታይ’ዩን ኣብ’ታ መርከብ’ከ እንታይ ኣጋጢሙን ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ - ሶከሩስ - ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክጅምር ልዕሊ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ምድላዋታ ተጠናኽር ኣላ። ኣሰልጣኒ ቶኒ ፖፖቪች እታ ጋንታ ብዙሕ ዝስራሕ ኣለዋ. . . ኩልና ከነማዕድዎ ዘለና ድማ ብዙሕ ነገር ኣሎ ክብል ይገልጽ። ንምድልዋታ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣብ መወዳእታ ኢንፍሉዌንዛ ልዑል ተላባዒ ቫይረስ’ዩ። ወቕቲ ሰዓል ኣብ ኣውስትራሊያ ክጅምር’ንከሎ ንገዛእ-ርእስና፣ ስድራቤትናን ኣብ ማሕበረሰብና ልዕሊ ኩሉ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት ንምክልኻል ክንፈልጦ ዘሎና ነገር ኣሎ። ንኣውስትራልያ ኣብ ንገልጸሉ መደብና ንምልከቶ’ዩ። ሰናይ ምክትታል!

  12. 989

    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (7 ግንቦት 2026)

    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (7 ግንቦት 2026) * ብመርዑት ኣይሲስ ተባሂለን ዝፍለጣ ደቀንስትዮ ሎሚ ናብ ኣውስትራልያ ክምለሳ’የን፣ * ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ኣብ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ ኢራን ተዂሲ ከፊታ፣ * ኣርሰናልን ፓሪስ ሰይንት ጀርመይንን ናብ ፍጻመ ግጥም ቻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ በጺሐን፣

  13. 988

    FIFA World Cup preparations ramp up for the Socceroos - ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራልያ (ሶከሩስ) ምድላዋታ ናብ ዋንጫ ዓለም 2026 ተሳልጥ

    The Socceroos are ramping up their World Cup preparations, with just over a month until the 2026 tournament begins in North America. Coach Tony Popovic has a lot to do... and everyone has a lot to look forward to. - ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ - ሶከሩስ - ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክጅምር ልዕሊ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ምድላዋታ ተጠናኽር ኣላ። ኣሰልጣኒ ቶኒ ፖፖቪች ከም ዝገልጾ እታ ጋንታ ብዙሕ ዝስራሕ ኣለዋ. . . ኩልና ከነማዕድዎ ዘለና ድማ ብዙሕ ነገር ኣሎ።

  14. 987

    ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ኣጠንቂቓታ (ጸብጻባት ዜና)

    ጸብጻባት ዜና ልኡኽና (07052026) * ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ካብ ኤርትራ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ብጽኑዕ ኣጠንቂቓታ፣ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂባ፣ * ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕሬዝዳንት ትግራይ ኮይኑ ተመሪጹ፣ * ህወሓት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ምላሽ ሂቡ፣ * ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣብ ገለ ወረዳታት ሰፊሕ ግዱድ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ተሰሚዑ፣

  15. 986

    ለበዳ ሃንታቫይረስ ንዓለም የሻቕል፡

    ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እተበገሰት መዛወሪት መርከብ ፡ ብቐታሊ ተላባዒ ሃንታቫይረስ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተለኽፉ ተፈሊጡ ። እዚ ሕማም እዚ ኣብ ሰባት ሳሕቲ ጥራይ ዝርአ ብምዃኑ ፡ እቲ ሕማም ዓለምለኻዊ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ ። ብዛዕባ ኣብታ መርከብ እንታይ ከምዘጋጠመ ፡ ሃንትቫይረስ እንታይ ምዃኑን እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክምልሶ እዩ ።

  16. 985

    ኣብ ሰሜን ምብራቕ ሶርያ መዓስከር ኣል-ሮጅ ዝጸንሑ ምስ ጉጅለ ኣይ ኤስ ርክብ ዘለዎም ኣንስትን ቆልዑን ናብ ኣውስትራሊያ ይምለሱ ኣለዉ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (06 ግንቦት 2026)

    ** ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዘሎ ውጥረት ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ።... ** መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሰት ድሮን ኣብ ካርቱም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ድሕሪ ምኽሳሳ ኢትዮጵያ ምላሽ ሂባ... ** ህወሓት ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት እቲ ክልል ክኸውን መሪጽዎ ተባሂሉ።

  17. 984

    ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (05 ግንቦት 2026)

    ** ወጥሪ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ይውስኽ... ** ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ባጀት፡ ምጉዳል ተሳተፍትን ኣብ NDIS ተጠቃሚ ንምዃን መምዘኒ ጸቢብ እንተኾነ’ኳ ምስ ኦቲስም ዝነብሩ ሕጂውን ተጠቀምቲ ክኾኑ ምዃኖም ተገሊጹ ... ** ኣብ ከተማ መቐለ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝወስድ ጽርግያ ነትጒ ከምዝተሰምዐ ቢቢሲ ሓቢሩ።

  18. 983

    Are you prepared for Australia’s flu season? - ንወቕቲ ጉንፋዕ (ፍሉ) ኣውስትራሊያ ተዳሊኹም ዶ ኣለኹም?

    Influenza is a highly contagious viral infection. As flu season begins in Australia, here’s what you need to know to protect yourself, your family and the most vulnerable in our community. - ኢንፍሉዌንዛ ልዑል ተላባዒ ቫይረስ እዩ ። ወቕቲ ሰዓል ኣብ ኣውስትራሊያ ክጅምር እንከሎ ፣ ንገዛእ-ርእስኻ ፣ ንስድራቤትካን ኣብ ማሕበረሰብና ልዕሊ ኩሉ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት ንምክልኻል ክንፈልጦ ዘሎና ነገር ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ቀሪቡ ኣሎ።

  19. 982

    ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (04 ግንቦት 2026)

    ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ዝርከባ 11 ከተማታትን ኣቝሻትን ንዝነብሩ ሰባት ፡ ካብቲ ቦታ ብህጹጽ ክወጹ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ ። 80 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ዝገበረቶ ፈተነ ኣብታ ጃልባ ዝነበራ ክልተ ኣንስቲ ሞይተን ። ኣብ ኩዕሶ እግሪ ፡ ሳም ኬር ኣብ ግጥማት ሱፐር ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ፡ ንቸልሲ ካብ ኩሉ ግዜ ዝለዓለ ኣመዝጋቢት ሸቶ ኮይናትላ ።

  20. 981

    ናጽነት ፕረስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንቆልቊሉ፤ ኣብ ኤርትራ ድማ በቲ ዝኸፍአ ደረጃ ይቕጽል ምህላው ተፈሊጡ። (ጸብጻብ)

    ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ 38 ጋዜጠኛታት ካብ ሚድያታት ለቒቖምን ተሰዲቶምን ከም ዝወጹ ተሓቢሩ። መበል 19 ሳይንሳዊ ጉባኤ ማሕበር ሞያ ፋርማሲ ኤርትራ ተኻይዱ። ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ዘሎ ምስሕሓብ ደው ክብል ጸዊዖም። ናይ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓገዝ እንተተቋሪጹ “ክሳብ 3.1 ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ንሰብኣዊ ቅልውላው ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም” ክትብል ሴናተር ኣመሪካ ኣጠንቂቓ።

  21. 980

    Colombians divided over the fate of hippos linked to Pablo Escobar - ዕሉል ገበነኛ ፓብሎ ኤስኮባር ዝውንኖም ዝነበሩ ጉማሬታት እንታይ ንግበሮም ኣብ ዝብል ኮሎምቢያውያን ተኸፋፊሎም

    Colombia is confronting a unique problem: what to do with a population of hippopotamuses originally linked to Pablo Escobar. The notorious late drug lord became infamous for importing the creatures and establishing a zoo at one of his properties. - ኮሎምቢያ ሓደ ፍሉይ ጸገም ገጢምዋ’ሎ፣ ምስ ፓብሎ ኤስኮባር ቀዲሞም ምትእስሳር ዝነበሮም ጉማሬታት እንታይ ንግበሮም ዝብል። እቲ ዕሉል ወይ ፍሉጥ ጎይታ ምስግጋር ዕጽታት ወይ ሓሽሽ ዝነበረ መዋቲ፣ ነዞም ሓራምዝ ናብ ሃገሩ ብምእታዎምን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ዝውንኖም ኣባይቲታቱ መካነ እንስሳታት ብምውንናንን ይፍለጥ።

  22. 979

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (30 ሚያዝያ 2026)

    ን ሎሚ ሓሙስ 30 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና:

  23. 978

    ዕለታዊ ዜና Tigrinya ትግርኛ (30 ሚያዝያ 2026)

    ኣርእስታት ዜና፥ ብምኽንያት እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት ፡ ዝቕባበ ናብ ሰማይ ከምዘዕረጎ ፣ ናይ ፌደራል ተረዠረር ጂም ቻምበርስ ብምግላጽ እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ እናገደደ ክኸይድ ከም ዝኽእል ተኣሚኑ ። ኣብ ለንደን ክልተ ኣይሁዳውያን ሰብኡት ተወጊኦም ፣ ፖሊስ ነቲ ተግባር ግብረ-ሽበራዊ ፍጻመ ገይሩ ሒዝዎ ኣሎ ። ህንዲ ካብቶም ምንጪ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ዝበዝሑ ተቐማጦኣ ኣውስትራሊያውያን ኮይና ኣላ ።

  24. 977

    ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ንምንታይ ካብ ኦፐክ ክትወጽእ ወሲና፧ ኣብ ቁጠባ ዓለም ዘምጽኦ ሳዕቤን ከ፧

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ፡ ካብ ግንቦት ኣትሒዛ ካብ ዉድብ ናብ ወጻኢ ነዳዲ ዝልእካ ሃገራት ወይ ካብ OPEC ከም እትወጽእ ኣፍሊጣ ። እዚ ውሳነ እዚ ፡ እታ ሀገር ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ዉጥረትን ምስ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዘለዋ ድልዱል ዝምድናን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ ። እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ፡ እቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ብቐጻሊ ዝዕጾ ዘሎን እዚ ናይ ኢማራት ዉሳነ፡ ኣብ ዋጋታት ነዳዲ ዝህልዎ ጽልዋ ክድህስስ እዩ ።

  25. 976

    "ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከባቢ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸመሎም ይኽእል እዩ።" ጸብጻብ

    ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ፡ ስለ ምምሕያሽ ዝምድናን ኤርትራን ኣመሪካን ንዝቐረበ ወቐሴታ ምላሽ ሂቡሉ። ነባር ቤት ምኽሪ ትግራይ" ናብ ስራሕ ይመለስ ዝብል ውሳነ ከም ዘይቕበሎ ፕረዝደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ደጊሙ ገሊጹ። ህወሓት ብወገኑ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ 'ስልጣን ከረክብ ከም ዝግባእ' ኣፍሊጡ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከባቢ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸመሎም ይኽእል እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

  26. 975

    ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (29 ሚያዝያ 2026)

    ** ቐጠር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኩለንተናዊ ስምምዕ ሰላም ክግበር እማመ ኣቕሪባ። ** ካብ ሰንበት ንግሆ ኣትሒዙ ኣብ ጥቓ ኣሊስ ስፕሪንግስ ዝጠፍአት ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ። ** ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

  27. 974

    #109 Talking about ageing parents (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ SBS: Talking about ageing parents (Med)

    Learn English useful for talking about ageing parents and family responsibilities. Practise everyday phrases for describing challenges, offering help, and discussing how to support parents. - Learn English useful for talking about ageing parents and family responsibilities. Practise everyday phrases for describing challenges, offering help, and discussing how to support parents.

  28. 973

    Tips to reduce petrol costs | Fuel in Focus - ጠቓሚ ምኽርታት ዋጋ ነዳዲ ንምጉዳል፡

    Rising fuel prices are putting pressure on household budgets across Australia, and for many people, it’s changing the way they travel. So what can you do to reduce your fuel costs without giving up your daily routine? Here are some simple, practical ways to save money on petrol. - ናህሪ ዋጋታት ነዳዲ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ ናይ ምነባብሮ ባጀት ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ነቲ ክግብርዎ ዝጸንሑ ኣገባብ መጓዓዝያ ይቕይርዎ ኣለው ። እሞ ደኣ መዓልታዊ ንጥፈታትኩም ኸይተሰናኸለ ፡ ወጻኢታት ነዳዲ ንምንካይ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ ? ኣብዚ ገለ ቀሊልን ግብራውን ገንዘብ ኣብ ነዳዲ ንምቑጣብ ቀሪቡ ኣሎ ።

  29. 972

    ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (28 ሚያዝያ 2026)

    ** ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዘኽፍት እማመ ኣቕሪባ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ምስ ኣካላት ጸጥታኡ ይመያየጠሉ ኣሎ። ** ናይ ካሊፎርኒያ መምህር ብፈተነ ቕትለት ፕረሲደንት ኣመሪካ ክሲ ቀሪቡሉ። ** ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሕዱ 19 ሰባት ሞይቶም።

  30. 971

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (27 ሚያዝያ 2026)

    ን ሎሚ ሰኑይ 27 ሚያዝያ 2026 ዘተዳለወ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ።

  31. 970

    ካብ መዓስከር ስደተኛ ናብ ዋንነት ትካል ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ዕዉት ጉዕዞ ሰላም ጉዕሽ

    ሰላም ኣብ 2008 ጓል 19 ዓመት ከል'ያ ካብ ኤርትራ ሃዲማ ንኣስጋገርቲ ከፊላ ዶብ ሰጊራ ናብ ሱዳን ኣትያ ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ምስ ጸናሐት ፡ ብ2011 ናብ ሆባርት ፡ ታዝማኒያ ክትኣቱ'ከላ ፣ እንግሊዝኛ ኰነ ዝሓዘቶ ፓስፖርት ኣይነበራን ። ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ገዛ ኣብ ሆባርት ድሕሪ ምጽናሕ ብማሕበረሰበይ ክኽበብ ኣሎኒ ብምባል ናብ መልበርን ግዒዛ ። ብ2020 ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነበረት ሓፍታ ንኸተምጽኣ ሓገዝ ደልያ ናብቲ ዶክተር ብርሃን ዝመርሖ Africause ናብ ፉትስክረይ በጽሐት። ብመገዲ ዶ/ር ብርሃን ኣቢላ ድማ ናይ ጽርየት ስራሕ ትረኽበሉ መገዲ ረኺባ። እቲ ዝጀመረቶ ስራሕ ማዕቢሉ ንገዛእ ርእሳ ኮይና ደቃ እናዕበየት ካልኦት ኣብ ትሕቲኣ ካልኦት’ውን ስራሕ ክረኽቡ ዕድላ ከፊታ ትርከብ። ነዚ ናይ ሰላም ጉዕዞ ካብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዘይትፈልጥ ዝነበረት ስደተኛ ናብ ወናኒት ስራሕ ዘሰጋገረ ህይወት ምስ ሰላምን ምስቲ ዝሓገዛ ዶ/ር ብርሃንን ኮይና ዳህሲስናዮ ኣለና።

  32. 969

    ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (27 ሚያዝያ 2026)

    ኣርእስታት ዜና፥ ዓበይቲ ሰልፍታት ፖሎቲካ ኣውስትራሊያ ኣንጻር ዓሌትነትን ጽልኢ ስደተኛታትን ተሪር መርገጺ ክወስዱ ጻውዒታት ቀሪቡ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ፖሊስ ንፕረዚደንት ትራምፕን ንዓጀብቱን ዝግበር ሓለዋ ድልዱል ከምዝነበረ ገዛእ ርእሶም ይከላኸሉ። ኬንያዊ ኣትሌት ሳባስትያን ሳው ኣብ ለንደን ኣብ እተገብረ ውድድር ማራቶን ዝጸንሐ ዝለዓለ ናይ ክልተ ሰዓት ጊዜ ማራቶን ብምስባሩ ስሙ ኣብ ታሪኽ ኣመዝጊቡ ።

  33. 968

    ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድናአ ዳግም-ከተሐድስን ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)

    ኣብ ሱዳን፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘላቒ ሰላም ክሰፍንን ዘተ ክጅምርን ኣብ ካርቱም ዝተመስረተ ዞባዊ ኪዳን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ኤውሮ-እስያ ተሳቲፉ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ትካላት ጥዕና ከምኡ’ውን ኣምቡላንሳት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ስርሖም ከምዘቋረጹ ተሰሚዑ። ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድናአ ዳግም-ከተሐድስን ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ተገሊጹ። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ኣብ ልዕሊ ቤት ማእሰርቲ ብዝተኸፍተ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሰሚዑ።

  34. 967

    Attacks continue in southern Lebanon despite three-week ceasefire extension - ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ንሰለስተ ሰሙናት ተናዊሑ ክንሱ መጥቃዕታት ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ይቕጽሉ

    Donald Trump has announced a three-week extension to the ceasefire between Israel and Lebanon during a press conference at the White House. He says he hopes more leadership-level talks will take place over coming weeks, as he seeks to bring the broader conflict with Iran to a close. - ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንሰለስተ ሰሙን ምንውሑ ኣፍሊጡ። ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ዝሰፍሐ ኲናት ክዛዘም ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ብደረጃ መራሕቲ ዝያዳ ዝርርባት ክካየዱ ተስፋ ከምዘለዎ ይገልጽ።

  35. 966

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (23 ሚያዝያ 2026)

    ን ሎሚ ሓሙስ 23 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ዜና፡ ትንታነ ዜና፡ ጸብጻብ ልኡኽና፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዝሓዘ እዩ።

  36. 965

    'ልዕሊ 600 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ተሰጒጎም'። (ጸብጻብ)

    ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ንፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ዚምባብወ ተቀቢሉ ኣዘራሪቡ። ስልጣኑ ዝተናውሐ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ መዝነቱ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ቴዲ ኣፍሮ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ እዮም ዝተብሃሉ ክልተ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዶም። ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣንን ዕጡቓትን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ እቲ ዞባ ዘየቋረጸ ግህሰት ይፍጽሙ ምህላዎም ሂውማን ራይትስ ዎች ኣቃሊዑ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ብወገኑ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽል ምህላዉ ኣፍሊጡ። 'ልዕሊ 600 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ተሰጒጎም'።

  37. 964

    ኣጸጋሚ ግና ዕሽሽ ዘይበሃል ጉዳይ፡ ዓቢ ለውጢ ኣብ NDIS ንምጉዳል ተሳተፍቲን ንመጠፋፋእቲ ዒላማ ዝገበረ ስጉምቲ።

    ሚኒስተር ጥዕና ማርክ በትለር ፡ መንግስቲ ን ሃገራዊ ማዕከን መድሕን ስንኩላን ወይ NDIS ወጻኢታት ንምንካይ ፡ ከም ኣካል ናይ ምምሕያሽ መስርሕ ነቲ ኣገልግሎት ንምርካብ ከምዘጽብቦ ኣፍሊጡ ። መንግስቲ መጠን ዕብየት ናይ NDIS በብዓመቱ ካብ 5 ክሳብ 6 ሚኢታዊ ክንኪ እዩ ዝደሊ ዘሎ ። ሚስተር በትለር ኣብ ሃገራዊ ክለብ ፕረስ ቀሪቡ NDIS ጀመረ ከቢድን ነባርን ስንክልና ንዘለዎም ሰባት ንምድጋፍ ከምዝኾነ እንተኾነ ግን ስፍሓቱ ንብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን ብዙሕ ሓገዝ ንዘየድልዮም ሰባት ንምሽፋን ኣዝዩ ሰፊሑ ኣሎ ኢሉ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ናይ 50 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ፕሮግራም ካብ ምጥፍፋእን ብዙሕ ወጻኢታትን ከድሕኖ ከምዝደሊ እዩ ዝገልጽ ዘሎ። ተጣበቕቲ ስንክልና ንገለ መዳያት ናይ ተሃድሶ ለውጢ ክቕበሉ ከለዉ: እቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣድላዪ ደገፍ ኸይረኽቡ ከይተርፉ ብምስጋእ: ኣብ ከባቢ ምጽራይ ተመስርሕ ንጹር ክኸውን ኣለዎ ይብሉ ።

  38. 963

    ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2026)

    ** ምስ ኢራን ተገይሩ ዝጸንሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንዘይተወሰነ ግዜ ከምዘናወሖ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣፍሊጡ... ** ላዕለዋይ ኣዛዚ ሜጀር ጀነራል ኣል-ኑር ኣሕመድ ኣዳም "ኣል-ጉባ" ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ ከዲዑ ንመንግስቲ ሱዳን ኢዱ ሂቡ።... ** ፕረሲደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ስልጣኑ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

  39. 962

    ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (21 ሚያዝያ 2026)

    ** ንሰልፊ ዋን ኔሽን ዝወሃብ ደገፍ ይጎድል መራሒት እቲ ሰልፊ ፖሊን ሃንሰን ዓበይቲ ሰልፍታት ንፖሊሲና ስለዝወስዳ ዘለዋ ደገፍ ክረኽቡ ኪኢሎም ትብል። ** ኢራን ምስ ኣመሪካ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ዝግበር ዝርርብ ሰላም ክትሳተፍ ትሓስበሉ ከምዘላ ኣፍሊጣ።... ** ‘ዓርሞሽሽ ሱፐርማርኬት ዉልዎርዝ ፡ ንዓማዊል ብናይ ሓሶት ምጉዳል ዋጋታት ከምዝገብር የታልል ኣሎ’ ንዝብል ዝቐረበሉ ክሲ፡ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክጣበቑሉ እዩ።

  40. 961

    The overlooked story: Aboriginal and Torres Strait Islander service on ANZAC Day - እቲ ኣቓልቦ ዘይወሃቦ ታሪኽ: ወተሃራዊ ኣገልግሎት ኣቦርጂናዊያንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራትን ኣብ መዓልቲ ኣንዛክ (ANZAC)

    Each year Australians gather on ANZAC Day to remember those who served in wars, conflicts and peacekeeping missions. But whose stories are we remembering? Are there stories we don’t always hear? In this episode we explore an important part of Australia’s history that has often been overlooked—the service of Aboriginal and Torres Strait Islander peoples. - ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣውስትራሊያውያን ነቶም ኣብ ውግእን ግጭትን ምዕቃብ ሰላምን ዘገልግሉ ንምዝካር ኣብ መዓልቲ ኣንዛክ ይእከቡ ። ናይ መን ዛንታ ኢና ግን እንዝክር ዘለና ? ኩሉ ግዜ ዘይንሰምዖ ዛንታታት ኣሎዶ? ኣብዚ ዛንታ እዚ ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዕሽሽ ተባሒሉ ዝጸንሐ ኣገዳሲ ክፋል ታሪኽ ኣውስትራልያ ፡ ማለት ንኣገልግሎታት ኣቦርጅንን ቶረስ ስትረይን ኣይላንደራትን ኽንምርምሮ ኢና ።

  41. 960

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (20 ሚያዝያ 2026)

    ን ሎሚ ሰኑይ 20 ሚያዝያ 2026 ዝተዳለወ ናይ ሓደ ሰዓት መደብ SBS ትግርኛ ።

  42. 959

    “ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘድልዮም እንተዝማልኣሎም፡ ተጻወቲ ኤርትራ ብዝወጽእዎ ኣይምጠፍኡን” ነጋ ወልደጊዮርጊስ (ተንታኒን ጋዜጠኛን ስፖርት)

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኤርትራ፡ ኣብ ሞሮኮን ኢስዋቲንን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ክልተ እግሪ ቅድመ መጻረዪ ግጥማት ናይቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝእንገድ ውድድር 'ኣፍኮን' ንኤስዋቲኒ ብድምር 4ብ1 ረቲዓታ፡፡ እንተኾነ 7 ተጻወቲ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኢስዋቲኒ ተሪፎም ። ነዚ ክስተት ምኽንያት ብምግባር ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ካበይ ናበይ፧ እታ ብሩህ መጻኢ ዝነበራ ጋንታ እንታይ ዕንቅፋት’ዩ ገጢምዋ፧ ንምንታይ ተጻወቲ ብዝወጽእዎ ይተርፉን ዝብሉን ካልእ ሕቶታትን ተንታኒ ስፖርትን ኣዳላዊ "ነጋ ስፖርት"ን ዝኾነ ነጋ ወልደጊዮርጊስ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ።

  43. 958

    ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (20 ሚያዝያ 2026)

    ኣርእስታት ዜና፥ ግጭት ኢራን ሻሙናይ ሰሙኑ ኣትዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ መሊሱ ንናይ ውሽጢ ሃገር ቅልውላው ቁጠባ ኣጋዲድዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ነቲ ኣንጎላውያን ኣብ ትሕቲ ባርነት ንነዊኅ ዘመናት "ብኸቢድ ጓህን ብዙሕ መከራን" እተሳቐይዎ ዘኪሮም ። ጸሊም ኣመሪካዊ ተዋሳኣይን ኮሜድያን ኤዲ ሙርፊ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዕቑድ ዓመታት መስሓቕን ፊልምን ዘፍረየሉ ሞያ ብምኽባር ናይ ዕድመ ምሉእ ስራሕ ክብሪ ተሸሊሙ ።

  44. 957

    Between two homes: Migrant workers in Lebanon roped into social and economic impact of war - ኣብ መንጎ ክልተ ዓድታት: ናይ ደገ ሰራሕተኛታት ኣብ ሊባኖስ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ጽልዋ ኲናት ተኣሲሮም

    Migrant workers in Lebanon are one of the most vulnerable communities since the war in the Middle East erupted. Experts say they are trapped between the economic impacts of the war, and it's taking a toll on their sense of belonging. - ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ናይ ደገ ሰራሕተኛታት፡ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ካብ’ቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ/ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ማሕበረሰባት እዮም። ኣብ ውሽጢ ቁጠባዊ ጽልዋታት’ቲ ኲናት ተዓጽዮምን ተቐርቂሮምን፡ ዓድናን ቦታናን ድዩ ኣይኮነን ኣብ ዝብል ስምዒቶም ድማ ይሃስዮም ከምዘሎን ክኢላታት ይዛረቡ።

  45. 956

    ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብፕሪቶርያ ንዝፈረሰ መንግስቲ ዳግም ክቐውም ወሲኑ። (ጸብጻብ)

    ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብፕሪቶርያ ንዝፈረሰ መንግስቲ ዳግም ክቐውም ወሲኑ። ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ ክብል ኣጠንቂቑ። ኣብ ከተማ መቐለ ብልዕሊ 1.8 ቢልየን ብር በጀት ዝተሃነፀ በዓል 4 ኮኾብ ሆቴል ኪንግደም ተመሪቑ። ኤርትራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትሓድ ካብን ናብን ኣስመራ ሓድሽ መስመር በረራ ከፊቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ወረቐት ስራሕ ሸውዓተ ኣምባሳደራት ተቐቢሉ።

  46. 955

    "ሱዳን ንኽልተ ተመቒላ'ያ፡ ናብቲ ዝነበረቶ ክትምለስ'ውን ዝከኣል ኣይመስልን።" ቅልውላውን ራብዓይ ዓመቱ ዝሓዘ ሓድሕድ ኲናት ሱዳንን

    ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ራብዓይ ዓመቱ ሒዙ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ ገሊኦም ዜጋታት ብሰንኪ ሕጽረት ረድኤት ፡ "ኣጸጋሚ ናይ ምንባር ስትራተጂ" ክኣትዉ ተገዲዶም ኣለዉ። ንሰለስተ ዓመት ብዘስካሕክሕ ኩነታት እተኻየደ ኲናት ፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፡ ከምኡ እውን ናይ ወጻኢ ረድኤት ደው ምባል ፡ ሱዳን "ኣብ ገምገም ምፍራስ" ገይርዋ እዩ ። ክብል ናይ ቀደም ሚኒስተር ሱዳን ገሊጹ።

  47. 954

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (16 ሚያዝያ 2026)

    ን ሎሚ ሓሙስ 16 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥

  48. 953

    ግብጺ ንልኡላውነት፡ ሓድነትን ጸጥታን ኤርትራ ምሉእ ደገፋ ከም እትህብ' ኣፍሊጣ ። (ጸብጻብ)

    ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ግብጺ ኣብ ምዕዛዝ ዝምድናታት ተዘራሪቡ። ግብጺ ንልኡላውነት፡ ሓድነትን ጸጥታን ኤርትራ ምሉእ ደገፋ ከም እትህብ' ኣፍሊጣ ኣላ። ጀነራል ታደሰ ወረደ ደኺሞም ደቂሶም 'ንዓድና ምለሰና' ካብ ዝበሉዎ ተመዛበልቲ ብዙሓት ከም ዝሞቱ ከም ዘረጋገጸ ተዛሪቡ። ናይ ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ይትባረክ ዳዊት ዝተባህለ ውልቀሰብ ሓዊሱ ብገበን ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተጠረጠሩ 11 ሰባት ክሲ ከም ዝመስረተ ኣፍሊጡ።

  49. 952

    "ካልኣይ ዙር ዝርርብ ኣመሪካ ኢራን ኣብ ፓኪስታን ክግበር ይኽእል'ዩ።" ፕ/ትራምፕ። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (15 ሚያዝያ 2026)

    ** ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ወተህደራዊ መፍትሒ የብሉን ክብል ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ፣ ** ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ... ** ጋንታታት ፓሪስ ሰይንት ጀርመይንን ኣትለቲኮ ማድሪድን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፒዮን ሊግ ሓሊፈን።

  50. 951

    #108 Talking about the cost of living - ዝርርብ ብዛዕባ ክብሪ መነባብሮ Talking about the cost of living ትምህርቲ ቋንቋ ንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ

    Learn English useful for talking about money, expenses, and financial pressure. Practise everyday phrases for describing rising costs, managing a budget, and explaining financial challenges. - ብዛዕባ ገንዘብ፡ ወጻኢታትን ፋይናንሲያዊ ጸቕጥን ዝምልከት ብእግሊዝኛ ንምዝርራብ ዝጠቕሙና ሓሳባት ኣብዚ ክንመሃር ኢና። Learn English useful for talking about money, expenses, and financial pressure. Practise everyday phrases for describing rising costs, managing a budget, and explaining financial challenges.

Type above to search every episode's transcript for a word or phrase. Matches are scoped to this podcast.

Searching…

No matches for "" in this podcast's transcripts.

Showing of matches

No topics indexed yet for this podcast.

Loading reviews...

ABOUT THIS SHOW

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

HOSTED BY

SBS

Produced by SBS Audio

CATEGORIES

URL copied to clipboard!