EPISODE · Jun 3, 2026 · 8 MIN
"ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ልዝብ ክጅምር ኣለዎ።" ልኡኻት ተዓዘብቲ መረጻ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን። (ጸብጻብ)
from SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ኤርትራ ምክትል ኣዶ-መንበር መበል 81 ሓፈሻዊ ጒባኤ ሕቡራት ሃገራት ኰይና ተመሪጻ። ኤርትራ ለበዳ ኢቦላ ንምክልኻል ውጥን ከምዘውጽአ ኣፍሊጣ። ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝተከአ መንግስቲ ትግራይ ንኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ፕረዚደንት ገይሩ። ተዓዘብቲ መረጻ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ልኡኻት ፖለቲካዊ ልዝብ ክጅምር ጸዊዖም። ሕብረት ኣውሮጳን እቶም ተዓዘብትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምርጫ ከም ዝቕበሉዎን "ሰላማዊ" ምንባሩን ብምግላጽ ኣብቶም ዝተረፉ ውን ክካየድ ጸዊዖም። ክልተ ተቓወምቲ ፓርትታት ድማ ንከይዲ እቲ መረፃ ነቒፎም። ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ "ክሳብ መዓዝ" ዝብል ሓዘን ከም ዝፈጠረ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብጹእ ኣቡነ ማቲያስ ተዛሪቦም።
Embed this episode
NOW PLAYING
"ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ልዝብ ክጅምር ኣለዎ።" ልኡኻት ተዓዘብቲ መረጻ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን። (ጸብጻብ)
No transcript for this episode yet
Similar Episodes
No similar episodes found.