EPISODE · Aug 5, 2026 · 8 MIN
ኣመሪካ ምስ ኤርትራ 'ምስጢራዊ ስምምዕ' ከም ዘይገበረት ንኢትዮጵያ ኣረጋጊጻትላ። (ጸብጻብ)
from SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ምምሕዳር ትግራይ ምስ ተፃረርቲ ሓይልታት ዝወገኑ መናእሰይን ናብ ሰላማዊ ናብራ ክምለሱ ዘኽእል ሓዱሽ መምርሒ ኣውፂኡ። ኣመሪካ ምስ ኤርትራ 'ምስጢራዊ ስምምዕ' ከም ዘይገበረት ንካልኣይ ግዜ ኣረጋጊጻ። ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክልተ ፖለቲከኛታትን ሓደ ጠበቓ ሕግን ምስ ህወሓት፣ ፅምዶን ሽበራን ዝተኣሳሰረ ክሲ ከም ዝመስረተ ተገሊጹ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ሓድሽ ግጭት ንካልእ ዙርያ "ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕ" ከምዝዀነ ኣጠንቂቑ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነበር ተወልደ ገብረማርያም ሓዱሽ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ክሳራ ንዝርከብ መንገዲ ኣየር ህንዲ ክመርሕ ተመዚዙ። ግብጺ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ሓድሽ ግድብ ክትሃንጽ ከምዘይትፈቅድ ኣፍሊጣ። ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ መበል 49 ስሩዕ ዋዕላ ፈጻሚ ቤት-ምኽሪ ሚኒስተራት ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፉ።
Embed this episode
NOW PLAYING
ኣመሪካ ምስ ኤርትራ 'ምስጢራዊ ስምምዕ' ከም ዘይገበረት ንኢትዮጵያ ኣረጋጊጻትላ። (ጸብጻብ)
No transcript for this episode yet
Similar Episodes
No similar episodes found.