EPISODE · Mar 1, 2026 · 5 MIN
ግብጽን ሱዳንን ብሓባር ኢትዮጵያ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ “በይነኣዊ ስጉምትታት” ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ሓቲተን። (ጸብጻብ)
from SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ልዕሊ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ብር ንተመዛበልቲ ከተማ ዛላኣንበሳ ሓገዝ ምሃቦም ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ ገሊጹ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ጉዕዞ ማእከላይ ምብራቕን፡ ካብን ናብን ጉዕዞ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ዝምልከት ሓበሬታ ሂቡ። ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዲጂታላዊ መድረኻት ንግዲ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝግበር ምትሕልላፍ ገንዘብን ብክሪፕቶካረንሲን ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ኣብ ሓባራዊ ምክልኻል ዝዓለመ ስምምዕ ተፈራሪመን። ግብጽን ሱዳንን ብሓባር ኢትዮጵያ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ “በይነኣዊ ስጉምትታት” ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ሓቲተን። ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፡ እስራኤል ኣብ ወደብ በርበራ ሶማሊላንድ ወተሃደራዊ መዓስከር ምቛማ ንዞባዊ ምርግጋእ “ቀጥታዊ ሓደጋ” ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
Embed this episode
Ready to play
ግብጽን ሱዳንን ብሓባር ኢትዮጵያ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ “በይነኣዊ ስጉምትታት” ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ሓቲተን። (ጸብጻብ)
No transcript for this episode yet
Similar Episodes
No similar episodes found.