EPISODE · Aug 12, 2026 · 10 MIN
ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ሱዳን (RSF) ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊት ከተማ ተዳቡ መጥቃዕቲ ከፊቱ። (ጸብጻብ)
from SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ተሓላቒ መሰል ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ትግራይን ፌደራልን ንሓደጋ ዝዳርግ “ኣንፈት ኲናት” ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ። ኣብ መዓስከር ዳባት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሕጂ ውን መጭወይቲ ከም ዘየቋረጸ ተገሊጹ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ን12 ዓመታት ሒዙዎ ዝጸንሐ ስትራተጂካዊ መዓስከር ቡርሃካባ ኣረኪቡ። ብሽበራ ዝተኸሰሱ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ክልል ኣምሓራ ንክፍትሑ ገበነኛታት ምዃኖም ክኣምኑ ዝሓትት ቅድመኩነት መንግስቲ ነጸጊጎሞዎ። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል_ጉሙዝ ዞባ መተከል ብደርዘን ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም። ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን ዝኾነ RSF ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ተዳቡ ዶባዊት ከተማ መጥቃዕቲ ከፊቱ። ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ ካብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ መጥቃዕቲ ዩ ክብል ከሲሱ። ኣብቲ ዞባ ቀጻሊ ዞባዊ ወጥሪን ግጭትን ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ሱዳን ምስ #ሞቃድሾን #ካይሮን ዝርርብ ኣካይዳ።
Embed this episode
NOW PLAYING
ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ሱዳን (RSF) ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊት ከተማ ተዳቡ መጥቃዕቲ ከፊቱ። (ጸብጻብ)
No transcript for this episode yet
Similar Episodes
No similar episodes found.