ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ episode artwork

EPISODE · Apr 13, 2026 · 50 MIN

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ

from SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ን ሎሚ ሰኑይ 13 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም በዓል ትንሳኤ ኣብ ምብዓል ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ መልበርን ዝኾኑ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያኖምን ጾምን በዓለ ትንሳኤን መብርሂ ዝሃቡና ናባኹም ከነብሎ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ በዓል ትንሳኤ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንበይናዊ እገዳታት ነቐፌታ ኣቕሪቡ። ተራ ቻይና ኣብ ዓለምለኻዊን ዞባዊን ጉዳያት ክዓቢ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጸዊዑ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ ግህሰት ይፍጸም ኣሎ ክብል ተቓዋሚ ውድብ ዲሞክራሲ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ፡ ከሲሱ። ዋጋ ብር ኢትዮጵያ ብደረጃ ኣፍሪቃ ብ18 ሚእታዊት ብምንካይ ድኹም ኮይኑ ተመዝጊቡ። ምንዋሕ ዕድመ ፕረዚደንት ትግራይ "ሕጋዊነት" ኣለዎ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንት ፕረዚደንት እስማኤል ዑመር ጉሌ ንሻድሻይ ጊዜ ተዓዊቱ። ኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ፓኪስታን እተኻየደ ዝርርብ ሰላም ብዘይ ስምምዕ ድሕሪ ምዝዛሙ ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንመጻብቦ ሆርሙዝ "ብቕጽበት" ክዕገት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣዞዙ ። ኣብ ሃንጋሪ እተገብረ ባይቶኣዊ ምርጫ እታ ሃገር ፡ ናይ ፒተር ማጋር ሰልፊ ቲሳው ከምዝሰዓረ ድሕሪ ምፍላጡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ስዕረቱ ተቐቢሉ። ኣብ ቅድድም ብሽክለታ፡ ቤልጁማዊ ዋት ቫን ኣርት ነቲ ናይ ዓለም ሻምፕዮን ዝኾነ ታድ ፖጋቻ ብምቕዳም ኣብ ዉድድር ፓሪስ ሮይ ተዓዊቱ።

NOW PLAYING

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ

0:00 50:05

No transcript for this episode yet

We transcribe on demand. Request one and we'll notify you when it's ready — usually under 10 minutes.

No similar episodes found.

No similar podcasts found.

Frequently Asked Questions

How long is this episode of SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ?

This episode is 50 minutes long.

When was this SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episode published?

This episode was published on April 13, 2026.

What is this episode about?

ን ሎሚ ሰኑይ 13 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም በዓል ትንሳኤ ኣብ ምብዓል ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ መልበርን ዝኾኑ ቀሲስ...

Can I download this SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episode?

Yes, you can download this episode by clicking the download button on the episode player, or subscribe to the podcast in your preferred podcast app for automatic downloads.
URL copied to clipboard!