Episodes
-
ንሓድሽ ዓመት ብንስሓ ዘመነ ሉቃስ-2019
እንቛዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ፣ ናብ ሓድሽ ዓመት 2019 ዓ.ም. ብሰላም ኣብጽሓና። ነዚ ምጅማር ሓድሽ ዘመን ዝኸዉን መልእክቲ ንበረኸት ክኾነኩም ናባዂም የብሎ ኣለኹ። ሰሚዕዂ ክትባረኽሉን ጸሎተይ እዩ። ብጸሎት ንዘኻከር!
-
22. ራብዐይቲ ትእዛዝ ራብዐይቲ ክፋል
መልእክቲ ናብ ሰብ ዕብራዉያን ምዕራፍ 4 ከም ዝነግረና፣ ሰንበት ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይኰነት፣ እንኮላይ ናይታ ተስፋ እንገብራ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ፣ መዓልቲ ጐይታ መንግስቲ ኣምላኽ እንወርሰላ፣ ምሳሌ ዉን እያ። መዓልቲ ሰንበት ምኽባር እንኮላይ በዓላት ጐይታ ከነብዕል ዉን ይእዝዘና። ዓብየቲ በዓላት ናይ ጐይታ ኲሉ ግዜ ክቅደሳን፣ ከነኽብረን ተኣዚዝና ኣለና።
-
21. ራብዐይቲ ትእዛዝ ሳልሰይቲ ክፋል
ኣብዛ ሳልሰይቲ ክፋል፣ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከመይ ጌሩ ንቀዳም፣ ብመዓልቲ ትንሳኤኡ ብሰንበት ምልኣት ከም ዘልበሳን፣ ሰንበት ናይ ምሕረት ናይ ፈዉስን ናይ ሕድገትን ምዃና ከም ዝመሃረን፣ ክንርኢ ኢና።
-
20. ራብዐይቲ ትእዛዝ ካልአይቲ ክፋል
ኣብዚ ካልኣይቲ ክፋል፣ ሰንበት ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይዀነት፣ እግዚአብሔር ብህልዉንኡ ንህዝቡ ከም ዝቕደስ ኪዳን ኮይና ዝቖመት መዓልቲ ምዃናን፣ ብተወሳኺ ካብ ባርነት ሓራ ናይ ምዉጻእ ምልክት፣ ግዙኣት ሓራ ዝዉጽኡላ፣ ድኽነት ዝሰዓረላ፣ ናይ ምሕረት፣ ናይ ቅዱስ እኬባ፣ መስዋእቲ ናብ እግዚአብሔር ዞዓርገላ መዓልቲ ምዃና፣ ክንርኢ ኢና።
-
19. ራብዐይቲ ትእዛዝ ቀዳማይ ክፋል
መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘኽር ትብል ራብዐይቲ ትእዛዝ መእተዊ ቀዳማይ ክፋል ኮይኑ፣ ኣብዚ መደብ ኣበጋግሳ ናይዛ ሕጊ ካበይ ዘፍጥረት ዝጀመረ ከም ዝዀነን፣ ጐይታ በዛ መዓልቲ ፍጥረት ካብ ምፍጣር ከም ዘዕረፈ፣ ንዓለም ብመለኮታዊ ባህሪኡ ካብ ምስሳይ ግና ከም ዘየዕረፈ፣ ንሕና ድማ፣ ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሕጊ ተከቲልና፣ ከምኡ ካብ ስራሕ ከነዕርፍ፣ በቲ ናቱ ጸጋ ክንስሰይ ድማ ንሰንበት ከነኽብር ከም ዝግብኣና ክንመሃሃር ኢና።
-
18. ሳልሰይቲ ትእዛዝ ካልአይቲ ክፋል
ኣብዛ ካልአይትን መወዳእታን ክፋል፣ ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ኣይትለዕል እንታይ ማለት እዩ? ብከንቱ ትርጉሙ እንታይ እዩ? ስም እግዚአብሔር ምጽራፍ ከም ዘይግባእ፣ ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ከነልዕል ከምዘይግባእ፣ ክንምሕል ክንሕስው፣ ከንቃልል ከም ዘይግባእ ኣብዚ ክንዝቲ ኢና። ብትወሳኺ ከመይ ጌርና ኢና ስም እግዚአብሔር ከንኽብር ዘለና? ክንጽሊ፣ ከነመስግን፣ ስሙ ክንቕድስ፣ በቲ ንነብሮ ናብራ ስሙ ክንቕድስ ከም ዝግባእ ክንማሃር ኢና። ሰሚዕኹም በረኸት እንድህሪ...
-
17. ሳልሰይቲ ሕጊ ቀዳመይቲ ክፋል
ሰላም ንዓኹም፣ ብሰንኪ ጻዕቒ ስራሕ ከይተዘርግሐ ዝቐነየ፣ መበል ራብዓይ ክፋል ትምህርቲ ብዛዕባ 10 ትእዛዛት ናባዂም የብሎ ኣሎኹ። ኣብዚ ትምህርቲ ብዛዕባ እታ ሳልሰይቲ ሕጊ፣ "ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ኣይተልዕል" ክንዝትይ ኢና። ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ስም፣ ኣስማት እግዚአብሔር፣ ልዕልና ስም እግዚአብሔር ክንርኢ ኢና። ብተወሳኺ፣ ብዛዕባ ኢየሱስ ድዩ ዝበሃል፣ ዋላስ የሱስ፣ ዋላስ እየሱስ ባዕልኹም ከተንብብዎ ይላበው። ብሩኽ ምኽትታል። ሰሚዕኹም...
-
16. ካልአይቲ ትእዛዝ 3ይቲን መወዳእታን ክፋል
ዘጸ 20.4 "ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ።" ብባዕላዊ መገዲ ንእግዚአብሔር ዘምለኹ…
more -
15. ካልአይቲ ትእዛዝ 2ይቲ ክፋል
ዘጸ 20.4 "ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ።" ቀንዲ መልእክቲ ናይዛ ሕጊ እንታይ እዩ?...
-
14. ካልአይቲ ትእዛዝ 1ይቲ ክፋል
ዘጸ 20.4 "ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ።" እንታይ ማለት እዩ፧? እንታይ ይፈቕድ፣…
more -
13. መልእክቲ በዓለ ፋሲጋ ቅ. ዮውሃንስ ኣፈ-ወርቅ
ናይ ቁስጥንጢንያ ሊቀ ጳጳስ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ከባቢ 400 ዓ.ም. ቅዱስ ዮውሃንስ ኣፈ-ወርቅ ናብ ምእመናን ዝሰደዶ መልእክቲ ፋሲጋ፣ ብምንያት በዓለ ፋሲጋ ክትሰምዕዎ ናባኹም የብሎ። ብሩኽ በዓለ ፋሲጋ። ርሑስ በዓለ ትንሳኤ!
-
12. ቀዳመይቲ ትእዛዝ 3ይቲ ክፋል
ቀዳመይቲ ትእዛዝ "ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።" እዛ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እንታይ መልእክቲ ኣለዋ? ነዛ ሕጊ ንምፍጻም እንታይ ክንገብር ኣለና? ኣብዚ መደብ ተኸታተሉ። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣበ ነፍሲ ዝሓዝክዎምን፣ ንኣባላት ማኅበርን ዝተዳለወ ትምህርቲ እዩ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተረኺብኩሞ፣ ንበረኸት ክኸዉን ናብ ካልኦት ኣካፍልዎ (ሼር በልዎ)። እዚኣ ሳልሰይትን መወዳእታ...
-
11. ቀዳመይቲ ትእዛዝ 2ይቲ ክፋል
ቀዳመይቲ ትእዛዝ "ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።" እዛ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እንታይ መልእክቲ ኣለዋ? ነዛ ሕጊ ንምፍጻም እንታይ ክንገብር ኣለና? ኣብዚ መደብ ተኸታተሉ። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣበ ነፍሲ ዝሓዝክዎምን፣ ንኣባላት ማኅበርን ዝተዳለወ ትምህርቲ እዩ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተረኺብኩሞ፣ ንበረኸት ክኸዉን ናብ ካልኦት ኣካፍልዎ (ሼር በልዎ)። እዚኣ ካልአይቲ ናይ ሰለስተ...
-
10. ቀዳመይቲ ትእዛዝ 1ይቲ ክፋል
ቀዳመይቲ ትእዛዝ "ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።" እዛ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እንታይ መልእክቲ ኣለዋ? ነዛ ሕጊ ንምፍጻም እንታይ ክንገብር ኣለና? ኣብዚ መደብ ተኸታተሉ። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣበ ነፍሲ ዝሓዝክዎምን፣ ንኣባላት ማኅበርን ዝተዳለወ ትምህርቲ እዩ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተረኺብኩሞ፣ ንበረኸት ክኸዉን ናብ ካልኦት ኣካፍልዎ (ሼር በልዎ)። እዚኣ ቀዳመይቲ ናይ ሰለስተ...
-
9. ዓሰርተ ትእዛዛት መእተዊ ካልኣይ ክፋል
ኣብ ዓቢ ጾም፣ ጾመ 40 (2017 ዓ.ም.ግ ወይ 2025 ዓ.ም.ግ) ዝተዋህበ ንምእመናን ዝተዋህበ ትምህርቲ። እዚ መእተዊ ናይ ዓሰርተ ትእዛዛት ኮይኑ፣ ካልኣይ ክፋል ሰሚዕኹም ንበረኸት ክኾነኹም ጸሎተይ እዩ።
-
8. ዓሰርተ ትእዛዛት መእተዊ. ቀዳማይ ክፋል
ኣብ ዓቢ ጾም፣ ጾመ 40 (2017 ዓ.ም.ግ ወይ 2025 ዓ.ም.ግ) ዝተዋህበ ንምእመናን ዝተዋህበ ትምህርቲ። እዚ መእተዊ ናይ ዓሰርተ ትእዛዛት ኮይኑ፣ ቀዳማይ ክፋል ሰሚዕኹም ንበረኸት ክትኻፈሉ፣ ናባኹም የብሎ።
-
7. ናይሙሴ ህይወት - ቅ.ጎርጎርዮስ ዘኒሱን ቁ.1
ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኒሱን (ሓዉ ንቅዱስ ባሲልዮስ ዓቢ) ብዛዕባ ናብራ ቅድስና እንታይ ይመስል ንኽምህር ካብ ዘዳለዋ፣ ናይ ሙሴ ህይወት (The Life of Moses) እትብል መጽሓፉ ዝተወስደ ትምህርቲ፣ ቀዳመይቲ ክፋል። https://www.amazon.com/Gregory-Nyssa-Classics-Western-Spirituality/dp/0809121123 ሰሚዕዂም በረኸት እንድሕሪ ረኺብኩምሉ፣ ንካልኦት ሼር በልዎ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ናይ ቅዳስኑ በረኸት የካፍለና። ኣሜን!
-
6. ጾም- ብቅዱስ ዮውሓንስ ኣፈወርቅ
ቅዱስ ዮዉሓንስ ብዛዕባ ጾም ካብ ዝመሃሮ ዝተወስደ። ብሩኽ ምክትታል። https://fnoteatnatiewos.com/2021/03/17/%e1%8c%be%e1%88%9d-%e1%89%85%e1%8b%b1%e1%88%b5-%e1%8b%ae%e1%88%83%e1%8a%95%e1%88%b5-%e1%8a%a3%e1%8d%88%e1%8b%88%e1%88%ad%e1%89%85-2/
-
5. ከመይ ጌርና ናብ ምስሊ ክርስቶስ ክንዓቢ ንኽእል? 3ይን መወዳእታ ክፋል
ነቲ ኣረጊት ኣዳም ምስ ኲሉ ግብሪ ቀንጢጥና ብምስቃል፣ ከመይ ጌርና ናብ ምስሊ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንመስል ንኽእል። ናይ መወዳእታ ክፋል። "እቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብ መከራ ፈሪሑ ኣይኰነን ሰናይ ግብሪ ዝገብር፣ ወይ ዓስቢ ክረኽብ ተስፋ ስለዘለዎ ዉን ኣይኰነን ካብ ክፋእ ዝርሕቕ። እቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብ ብፍቕሪ እዩ ንሰናይ ነገር ዝተግህ። ኩሉ ተግባራቱ ንዉልቃዊ ረብሓት ዝዓለመ ኣይኰነን፣ ስለዚ ተባራቱ ብናይ ዉልቃዊ ድሌታቱ ኣምርሑን። ጽባቐ…
more -
4. ኣረጊት ኣዳምን ሓድሽ ሰብን
ከመይ ጌርና ነቲ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥና፡ ምስ ኲሉ ፍትወቱ ኣብ መስቀል ሰቒልና፣ ነቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንለብስ ንኽእል? ኣረጊት ኣዳም ምስ ኲሉ ትምኒታቱ ሰቒልና ንክርስቶስ ምልባስ። ኣዳም ናብቲ ምስሊ ኣምላኽ ንከይዓቢ ሕጊ ብምጥሓሱ ምስ ተዓንቀጸ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከመይ ጌሩ ናብቲ ናይ ቀደም ምስሉ መሊስዎ።
-
3. ነቲ ኣረጊት ሰብነትና ሰቒልና ንክርስቶስ ምልባስ!
ከመይ ጌርና ነቲ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥና፡ ምስ ኲሉ ፍትወቱ ኣብ መስቀል ሰቒልና፣ ነቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንለብስ ንኽእል? ኣረጊት ኣዳም ምስ ኲሉ ትምኒታቱ ሰቒልና ንክርስቶስ ምልባስ።
-
2. ጾም፣ጸሎትን ምሕረትን- ቅ.ጴጥሮስ ቃለወርቅ
እብ ምዝዛም ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ናይ ራቬና ትበሃል ዓዲ ኤጲስቆጶስ ዝነበረ፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ጾምን ጸሎትን ምሕረትን ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ ትምህርቲ፣ ሰሚዕኹም በረኸት ተኻፈሉ።
-
1. ጾም 40 ቁ 1
ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣሐዱ ኣምላኽ ኣሜን። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣነ ኣባት ነፍሲ ኮይነ ዝኣልዮም ዘለኹ መንፈሳዊ የሕዋተይ ዝተዳለወ ትምህርቲ ኮይኑ፣ እዚ ቀዳማይ ብዛዕባ ናይ ጾም 40 መእተዊ ትምህርቲ እዩ። ሰናይ ምክትታትል
About this show
ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዘገልግል፣ ብሓደ ታራ ካህን እትመሓደር፣ ሶሙናዊ ፖድካስት።ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ፖድካስት ነቲ ቅዱሳን ዝመሃርዎ ትምህርቲ ናብ ኲሎም ምእመናን ንምትሕልላፍ እዩ።
Hosted by
Fr. Fnote-Atnatiewos (ቀሲስ ዉሉደ ፈለገ-ጥበብ)
Categories