EPISODE · Apr 30, 2025 · 8 MIN
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ገለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣጠንቂቑ። (ጸብጻብ)
from SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ገለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣጠንቂቑ። ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰጒጓ ፕረዚደንት ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ እቲ ኣጣይሹዎ ዝተብሃለ ሓዱሽ ውዳበ መብርሂ ሂቡ። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገለ ጥሕሰታት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ግጭት ከየምርሑ ስግኣቱ ገሊጹ። ኮሚሽን ሃገራዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሳልሳይ ማእኸል ስልጠና ዲዲኣር ኣበጊሱ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ መናእሰይ ብሃንደበት ብሓይልታት ፀጥታ ከይግፈፉ ብምስጋእ ንጉቦ ዝኸውን ገንዘብ ዝሕዙ ምዃኖም ተገሊጹ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ናብ ሰራዊት ሱዳን ክሰጋገር ዝተዳለወ ሓሙሽተ ሚልዮን ተተኳሲ ከምዝሓዘት ኣፍሊጣ። መንግስቲ ሶማልያ ፓስፖርት ታይዋን ዝሓዙ ወጻእተኛታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ከምዝኸልከለ ተገሊጹ።
NOW PLAYING
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ገለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣጠንቂቑ። (ጸብጻብ)
No transcript for this episode yet
Similar Episodes
May 14, 2026 ·7m
May 14, 2026 ·5m
May 14, 2026 ·12m